ባንክ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰነ 2026፡ ካብ ባንክታት ወጻኢ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ብዘይ ዓቐን ተታሒዙ ዘሎ ባጤራ ናቕፋ፡ ክሳዕ መወዳእታ ሓምለ ናብ ሕሳብ ባንክ ክኣቱ ዘገድድ ጽኑዕ ሕጋዊ መተሓሳሰቢ ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር እዩ።
እቲ ዝተቐመጠ ገደብ ግዜ መዓልታት ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ብዙሕ ሰብ፡ ብሰንኪ ዝተጓተተን ዘይምዕቡልን ኣሰራርሓ ባንክታት ገና ገንዘቡ ኣታዊ ክገብር ከምዘይከኣለ እዩ ካብ ኤርትራ ዝተረኸበ ሓበሬታ ዘመልክት።
መብዛሕትአን ባንክታት ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ልዕሊ 50,000 ናቕፋ ኣታዊ ንዝገብሩ ትካላት ይዅኑ ውልቀሰባት ቀዳምነት ይህባ ብምህላወን፡ ትሕቲ እዚ ዝተጠቕሰ ገንዘብ ዝሓዘ ሰብ ገና ተራኡ ከም ዘይበጽሖ፤ ብሪጋን ቈጸራን ይጽበ ወይ በጺሑ ይምለስ ምህላው እዩ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘመልክት።
ማዕኸን ዜና ቢቢሲ ድሕሪ’ቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ይዅን ነቲ መምርሒ ዝሰዓበ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዕድጋታት እንታይ ይመስል? ህዝቢኸ ብኸመይ ይቃለሶ ኣሎ? ኣብ ዝብል ኣተኲሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪቡ ።
እቲ ኣብ መወዳእታ ሰነ ዝወጸ መግለጺ ባንክ ኤርትራ ነቲ መምርሒ ዘየተግብሩን ኣብ ዝተዋህበ ገደብ ግዜ ገንዘቦም ኣታዊ ኣብ ዘይገብሩን ወገናት፡ ጽኑዕ ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰደሎም ምዃኖም እዩ ዝገልጽ።
እቲ ስጕምቲ እንታይ ምዃኑ ግን ብንጹር “እዚ እዩ” ኣይተባህለን – ብዙሕ ሰብ ድማ ገና ገንዘቡ ናብ ባንክ ከእቱ ብዘይምኽኣሉን እቲ ዘእተወ እውን እንታይ ክስዕብ ከም ዝኽእል ስለ ዘይፈልጥ ኣብ ስክፍታ ከም ዝርከብ እዮም ብዙሓት ዝገልጹ።
ኣሰራርሓ ባንክታት ኤርትራ ገና ዘይዘመነ፡ ዝደሓረን ኣብ ወረቐት ዝተመርኰሰን ኣገባብ ስለ ዝኽተል እቲ ምጕታትን ነዊሕ ሰዓታት ምጽባይን ኣብ ቦታኡ እዩ።
እዚ ሃንደበታዊ ውሳነን ዘይተነጸረ ስግኣትን፡ ኣብ መላእ ዕዳጋታት ኤርትራ ዓሚቝ ሻቕሎትን ዘይርጉጽነትን ፈጢሩ ይርከብ።
ዕዳጋታት ሃገር ኣብ ትሕቲ ከቢድ ዘይርጕጽነት ወዲቑ ብምህላዉ ድማ ነጋዶ በቲ ዝሕዝዎ ንብረት ይቈጻጸርዎ ብምህላዎም፣ እቲ ቍጠባዊ ኵነታት “ካብ ንቡር – ንቡር ቍጠባ’ኳ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ፤ ግን ካብቲ ከም ንቡር ዝተለምደ ዝጸንሐ ኣገባቡ ወጺኡ ተናዊጹ ኣሎ፡” ይብሉ ቢቢሲ ዘዘራርቦም ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኤርትራ መገሻ ዘካየዱ ዜጋታት።
ከም ኣገላልጻ እዞም ስሞም ክግለጽ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ ትዕዝብቶም ዘካፈሉ፡ እቲ ቀዳማይ መርኣያ ናይዚ ቅልውላው፡ ኣብ ዋጋታት ሃለኽቲ ኣቝሑን ሸርፊ ወጻእን ዝንጸባረቕ ዘሎ ምዝንባልን ዘይርጕእነትን እዩ።
“ዋጋ ዶላር ኣብ ዕዳጋ ምርጋእ ስኢኑ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዘይገመትካዮ መጠን ይወርድን ይድይብን ኣሎ፤ ዝንቀሳቐስ ገንዘብ ተሓጺሩ እዩ፡” ክብሉ ድማ የረድኡ።
እዚ ዶላር ዝናወጸሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣብ ኢዱ ብዙሕ ጥረ-ገንዘብ (ናቕፋ) ዘለዎ ሰብ፡ ነቲ ገንዘቡ ናብ ባንክ ካብ ምእታው፡ ናብ ዝያዳ ውሕስነት ዘለዎ ሸርፊ ወጻኢ ንምቕያር ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ንምግማቱ ኣየጸግምን።
እዚ ነውጺ እዚ ድማ ነቲ ዕዳጋ ብኸቢድ ሃስዩዎ፣ መዓልታዊ ሃለኽቲ ኣቝሑ ብቐጻልነት ሰማይ ክዓርግ ይርአ’ሎ። መብዛሕትኡ ህዝቢ ድማ ምጻር ስኢኑዎ ተሸጊሩ ከም ዘሎ እዩ ዝንገር።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘይርጕእ ቍጠባዊ ኵነታት፡ ብፍላይ ነጋዶን ሃብቲ ዘለዎም ሰባትን ነቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ገንዘብ ብኸመይ የድሕኑዎ ዝብል ዓቢይ ጭንቀትን ስክፍታ ፈጢሩሎም ከም ዘሎ እዩ እቲ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘመልክት።
እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ኢዶም ብዝሕ ዝበለ ጥረ-ገንዘብ ዝሓዙ ሰባት፡ ሓንሳብ ናብ ባንክ ኣታዊ እንተ ገይሮምዎ እውን፡ ካብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ “እዚ ዅሉ ገንዘብ ካበይ ኣምጺእካዮ? ኣበይ ሒዝካዮ ጸኒሕካ? ንምንታይ ሒዝካዮ ጸኒሕካ…?” ዝብል ዘይተርፍ ተሓታትነትን መርመራን ከስዕበሎም ምዃኑ ይርድኡ እዮም።
እዚ ከምዚ ዝበለ መርመራ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መወዳእታ 2015 ገንዘብ ኣብ ዝተቐየረሉ እዋን ዝነበረ ተመሳሳሊ ኵነታት ብምዝካር ብዙሓት ስክፍታኦም ይገልጹ።
“በዚ ጉዳይ ብዙሓት ‘ካበይ ኣምጺኹሞ?’ ተባሂሎም ተሳራጥዮም እዮም፤ ገንዘቦም ዝተበልዑ’ውን ብዙሓት እዮም፡” ይብል ብቐረባ ናይ ዝፈልጦም ኣብነት ብምዝካር ንቢቢሲ ዘዛረበ ኤርትራዊ።
እዚ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ዘጋጠሞም ዜጋታት ብዛዕባ ምህላዎም ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝስማዕ’ኳ እንተዀነ፡ ቢቢሲ ግን ካብ ወግዓዊ ናጻ ምንጪ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
በቲ ኻልእ ገጽ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰባት ካብቲ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤናት ብምሽቓል፡ ‘ኣብ ክንዲ ኵሉ ሕጂ ብሓንሳእ ኣብ መስርሕ ቀስ እናበልኩ ናብ ባንክ ከእትዎ እየ – ወይ በብቝሩብ ናብ ንብረት ክቕይሮ…’ እንተ በሉ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ ሓምለ ገደብ ግዜ ምስ ሓለፈ እንታይ ክመጽእ ከም ዝኽእል ዝፈልጥ የሎን።
እቲ ሰልዲ ‘ምናልባት ብሃንደበት እንተ ተቐይሩ፡’ ሰባት ኣብ ኢዶም ዘሎ ጥረ ገንዘብ ዋጋ ዘይብሉ ወረቐት ክኸውን እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም እውን ይስማዕ።
እዚ ማንታ-መንገዲ እዚ፡ “ንጥረ-ገንዘብ ኣብ ክንዲ ከም ሃብቲ፡ ከም ሓደጋ (liability) ክረአ ገይሩዎ ኣሎ፡” ድማ ይብሉ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገያሾ ኤርትራውያን።
በዚ ምኽንያት ድማ ነጋዶ ነቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ጥረ-ገንዘብ ቀልጢፎም ናብ ርጡብ – ደሓን ዋጋ ዘለዎ ንብረት ክቕይሩዎ፤ ነቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ድማ ዋጋኡ ክውስኹ ይጓየዩ ኣለዉ።
እዚ ስግኣት’ዚ፡ ናብ ብርቱዕ ምኽዛን ንብረት ብፍላይ ድማ ዘይበላሾ ንብረት ኣምሪሑ ኣሎ። ነጋዶ ንብረቶም ብናቕፋ ካብ ምሻጥ ተቘጢቦም፡ ንብረቶም ምዕቃብ ወይ ምሕባእ ይመርጹ ኣለዉ።
ዝዀነ ኣብ ኢዶም ዝኣቱ ናቕፋ ድማ – ከምቲ ኣብ ቅድሚ ሕጂ ዝተራየ – ቀልጢፎም ናብ ከም ወርቂ፡ እኽሊ፡ ኤለክትሮኒክስ ኣቕሓ፡ መኪናን ከምኡ ዝኣመሰለን ነዊሕ ግዜ ክጸንሕ ዝኽእል ቀረባት መግቢ ብብዝሒ እናዓደጉ ይኽዝኑ ከም ዘለዉ ይሕበር።

