Image

“ኲናት ዕንወት እምበር ንማንም ዝህቦ ትርፊ የብሉን” ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ዘለዎም ስክፍታን ሻቕሎትን ይገልጹ ኣለዉ።

ካብ ዝሓለፈ ታሪኻዊ ጌጋኦም ዘይተምሃሩ ኣካላት፣ ነቲ ሰላም ዝደሊ ህዝቢ ካብ ምህዋኽ ክቑጠቡ ብትሪ ፃውዒት ቀሪቡ።

ኲናት ወሊዕኻን ኣሽሓት ንፁሃን ዜጋታት ኣሰዊእኻን ናብ መኣዲ ዝርርብ ድሕሪ ብዙሕ ዕንወት ካብ ምምጻእ፣ ቅድሚ ዕንወት ሰላም ምሕራይ ስለምንታይ ይንፀግ? ሎሚ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዳግማይ ኲናት ንምውላዕ ዝስማዕ ዘሎ ዘስግእ ፖለቲካዊ ዲስኩርን፣ ነዚ ስዒቡ ብወገን ሰላም ዝደሊ ህዝቢ ዝቐርብ ዘሎ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽትታትን ብሰፊሑ ብዝርዝር ክንድህስሶ ኢና ።

ተንተንቲ ፖለቲካ ዝህቡዎ ዘለዉ ርእይቶ፣ ኣብ ትግራይ ዳግማይ ናይ ኲናት ነጋሪት ዝሃርሙ ዘለዉ ኣካላት፣ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣዕናውን ደማውን ኲናት ዋላ ሓንቲ ዘይተምሃሩ ምዃኖም ብምግላጽ፣ ህዝቢ ትግራይ ሰላም እምበር ካልእ ኲናት ከምዘይደሊ ዘነጽር ብርቱዕ መልእኽቲ እናተመሓላለፈ ይርከብ።

እዚ ፃውዒት፣ እቶም ኲናት ዝደልዩ ኣካላት ካብ ሓሳቦም ዕረፍቲ ክገብሩን፣ ነቲ ብኲናት ዝደኸመ ህዝቢ ካብ ምህዋኽ ክቑጠቡን ብትሪ ይነቅፉ።

ኲናት ንህዝብን ዓድን ዘጥፍእ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ምንም ዓይነት ረብሓን ትርፍን ዘይርከቦ ኣዕናዊ ተርእዮ እዩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ካብ ትግራይ ዝወፁ ዘለዉ ሪፖርታት ከምዘመላኽቱዎ ብፍላይ ኣብ 72 ጉባኤ ፅንተት ዝተኸየደለን ከተማታት ትግራይ ፤ ጉጅለ ህወሓት ኩናት ጥራይን ክስዕር እየ ዝብል ናይ ልፍንቲ ሓይልታት ተስፋን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክድስኮር ተሰሚዑ ቀንዩ ኣሎ፣ ይኹን እምበር ፤ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሓይሊ ኲናት ወሊዑ ብዙሕ ምስ ከሰረ፣ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣገዲዱ ናብ ኲናት ዘእተዎም ንፁሃን መንእሰያትን ዜጋታትን ገሊኦም ምስ ኣሰወአ፣ ገሊኦም ድማ ኣካሎም ክጎድሉን ንዘለኣለም ስንኩላን ክኾኑን ምስ ገበረ፣ ድሕሪኡ ናብ ዝርርብን ሰላማዊ ድርድርን ምምጻእ ፍፁም ጌጋ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ፖለቲከኛታት።

ካብ ሕሉፍ ናይ ሓፁር እዋን ፅንተታዊ ኩናት ትግራይ ህወሓት ዋላ ኣይመሃር ክመሃረሉ ዘለዎ ጉዳይ ፤ መላምል መንኣሰይ ሰንኪሎም ኣብ ማእኸላት መ/ከሚ ቁስሎም ዝፀርገሎም ሲኢኖም ደርቢዩ ከብቅዕ ። እንደገና ሕዚ ኩሉ መንእሰይ ይጋደል ብኩሉ ኣንፈት ሓገዝቲ ኣለውና እዮም ክንስዕር ኢና ክብልን ህዝቢ ከጭንቐን ይረኣ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።

ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ካብ መጀመርታኡ ናብ ኲናት ዘይምእታውን ብሰላማዊ መንገዲ ፍልልያት ምፍታሕን ከምዝምረፅ እቶም ወገናት ይገልጹ።

እዚ ድማ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብምዝካር፣ እቲ ክሳራ ክሳብ ክንደይ ከቢድን ታሪኽ ዘይርስዖ በሰላ ዝገደፈን ከምዝነበረ ዘዘኻኽር ፖለቲካዊ ሓሳቦም ለጊሶም።

ብተወሳኺ፣ እቲ ሕዚ ክጅመር ዝሕሰብ ዘሎን ብገሊኦም ኣካላት “ንሕና ክንመርሖ ኢና” እናተባህለ ብዙሕ ዝፍከረሉ ዘሎ ኲናት፣ ብዓቢኡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ተቐባልነት ስኢኑ ይርከብ።

ተንተንቲ ጉዳያት እዋናዊ ፖለቲካን ማሕበራዊ ተንቀሳቐስትን ከምዝሕብሩዎ፣ እቶም ነዚ ሓድሽ ኲናት ክመርሑ ዝፍክሩ ዘለዉ ሰባት፣ ትማልን ብቅድሚ ትማልን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ዝኸሰሩ፣ ከምኡ’ውን ካብ ዝፈጸምዎ ጌጋ ክመሃሩ ዘይከኣሉ “ናይ ኣእምሮ ነዳያን” ክብሉ ብትሪ ይነቕፍዎም።

ሓደ ፖለቲካዊ መራሒ ይኹን ወተሃደራዊ ኣዛዚ ካብ ዝሓለፈ ጌጋኡ ዘይመሃር እንተኾይኑ፣ ንህዝቢ ናብ ዝበኣሰ ደልሃመትን ማእለያ ዘይብሉ ስቓይን ከእትዎ ከምዝኽእል እቶም ፖለቲከኛታት ብሰፊሑ የብርሁ።

እዚ ድማ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ናይ ምምራርን ተስፋ ምቑራፅን ስምዒት ብንጹር ዘርኢ እዩ።

እዚ ኹሉ ፖለቲካዊ ዋዕዋዕታ እናኾነ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ እቲ ዝበዝሕ ሰላም ዝደሊ ህዝቢ ዘለዎ መርገጺ ኣዝዩ ንጹር ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት እናገለፀ መፅዩን ብሰልፊታት ሰላምን ገሊፅዎ እዩ። “ኲናት ኣይጠቅምን  እሞ ዕረፉ” ዝብል ጭርሖ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታትን ዝተፈላለዩ መድረኻትን ብሰፊሑ ይቃላሕ ኣሎ።

እዞም ኲናት ዝደልዩ ኣካላት፣ መኽሰብ ናይ ኲናት ዕንወት ጥራሕ ምዃኑ ተረዲኦም ዘይዓርፉ እንተኾይኖም፣ እንተወሓደ ነቲ ሰላም ብሂጉ ዘሎን፣ መሊሱ ናብ ኲናት ክኣቱ  ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ እምቢታ ከስምዕን ዓርሱ ናይ ምንባር ባህጉ ከጣጥሕን ሚዒዶም።

እዚ ርእይቶ ፖለቲከኛታት እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ምውጻኡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝገብሮ ሓደ ዓቢ ጉዳይ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ናይቲ ዝሓለፈ ዘስካሕክሕ ኲናት ኮይኑ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ስነ-ልቦናውን ክሳራታት ገና ኣብ ምሕዋይ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፣ ዝኾነ ይኹን ሓድሽ ናይ ኲናት ወረ ንህዝቢ ዓቢ ስግኣትን ራዕድን እዩ ዝፈጥር።

ስለዝኾነ፣ፖለቲካዊ ፍልልያት ብሰላማዊን ዲሞክራሲያዊን መንገዲ ክፈትሑን፣ ንህይወት መንእሰያት ብኸንቱ ኣብ ሓደጋ ካብ ምውዳቕ ክድሕኑን፣ ኩሉ ግዱስ ኣካል፣ ብፍላይ ድማ ማሕበረሰብ ዓለምን ሰላም ዝደልዩ ዜጋታትን፣ ግዲኡ ክፃወት ከምዘለዎ ፀዊዖም።

ኣብ መወዳእታ ድማ፣ “ሰላም ንትግራይ” ዝብል ፅኑዕ መርገፂ ተታሒዙ፤  እቲ ህዝቢ ናብ ንቡር ናብርኡ ክምለስን፣ ዝኾነ ይኹን ናይ ኲናት ጻውዒት ክተርፍን ኩሉ ብሓባር ደው ክብል መልእኽቲ ቀሪቡ።

እንግሊዝ የኤርትራ ዲፕሎማቶችን እንቅስቃሴ እንደምትገድብ አስጠነቀቀች

እንግሊዝ የኤርትራ ዲፕሎማቶችን እንቅስቃሴ እንደምትገድብ አስጠነቀቀች

ሻዕቢያን ከሳህል በረሃ የትጥቅ ትግል ዘመን ጀምሮ ኤርትራን ገንጥሎ መንግስት እስከሚሆን ድረስ በርካታ የአውሮፓ ሀገራት አጋር ሆነው የፋይናስና…

ጥቅም 15, 2026
ኦነግ ለኢሳይያስ ንግግር በመግለጫ ምላሽ ሰጠ

ኦነግ ለኢሳይያስ ንግግር በመግለጫ ምላሽ ሰጠ

የኦሮሞ ነጻነት ግንባር (ኦነግ) ትናንት ባወጣው መግለጫ “ህዝባችን ላይ የታወጀና በቀጣናው ደግሞ እየተስተዋሉ ያሉ ችግሮች እየጠነከሩ በመምጣታቸው እንዲሁም…

ጥቅም 14, 2026
የተቋረጠው የትግራይ በረራ በድጋሚ መጀመሩ ምን ያመለክታል?

የተቋረጠው የትግራይ በረራ በድጋሚ መጀመሩ ምን ያመለክታል?

የኢትዮጵያ አየር መንገድ በጊዜያዊነት ተቋርጦ የነበረውን ወደ መቀሌ ከተማ የሚያደርገውን መደበኛ በረራ እሁድ ከጥቅምት 1 ቀን 2019 ዓ.ም ጀምሮ…

ጥቅም 12, 2026
ኢትዮጵያ ስለተፈጸመባት ወረራ ለተመድ የፀጥታ ም/ቤት አሳወቀች

ኢትዮጵያ ስለተፈጸመባት ወረራ ለተመድ የፀጥታ ም/ቤት አሳወቀች

የኢትዮጵያ የውጭ ጉዳይ ሚኒስትር ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቲዮስ ኢትዮጵያ በኤርትራ ወረራ እንደተፈጸመባት እና ራሷን ከመከላከል ውጪ ሌላ አማራጭ እንደሌላት…

ጥቅም 12, 2026