Image

ኣብ ክሊ እቲ ዝፀንሐ ነባር ሓለዋ፡ ካልእ ዙር ሓለዋ ተዋፊሩ ከምዘሎን እቲ ጀነራል ምስ ሰባትን ኣምባራደራትን ከይራኸብ ከምዝተኸልከለን ድማ ኣረጋጊፆም።

ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ነቲ ክልል ንሓደ ዓመት ዝመርሐ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ካብ 30 ሚያዝያ [ግእዝ] ካብ ስልጣኑ ብዘይፍቓዱ ካብ ዝእለ ጀሚሩ፡ ብዛዕባ ዝርከበሉ ኵነታት ዝገልፅ ዝዀነ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣይነበረን።

ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ብመንግስቲ ፈደራል ዝተናወሐሉ ስልጣኑ “በይናዊ ውሳነ” ብምባል ዘይተቐበለ ህወሓት፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክፈርስን በቲ ቅድመ-ኲናት ዝነበረ ካቢነ ክትካእ ብምውሳን፡ 30 ሚያዝያ ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ፕረዚደንት ፈላማይ ኣኼብኡ ኣካይዱ።

“እዚ ናይ ቀፃሊ ሓደገኛ መንገዲ ዝተጀመረሉ ዕለት ስለ ዝዀነ፡ በዚ ምኽንያት ንዝስዕብ ሳዕቤን ተሓታቲ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ብጕልበት ዝሕዝ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ ክገልፅ እደሊ፡” ይብል ጀነራል ታደሰ ኣብቲ መዓልቲ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ።
ነዚ ናይ መወዳእታ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
ብረቡዕ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኤርቪን ማሲንጋ ናብ መቐለ ዝገበሮ ጕዕዞ ስዒቡ፡ ጀነራል ታደሰ ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተወሳኺ ፃዕሪ ድሕሪ ምግባር፡ ንፈለማ እዋን ካብ መቕርባቱ ጭቡጥ ሓበሬታ ረኺብና ኣለና።

ምስቲ ተኣፋፊ ኵነታትን ወጥሪ ዝመልኦ እዋንን፡ ኣስማቶም ዘይንገልፆም መቐርባቱ ከም ዝሓበሩዎ ኣምባሳደር ማሲንጋ፡ ምስ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንምርኻብ ቈፀራ ሒዙ እዩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ተበጊሱ።

“ርግፅ ኣምባሳደር ማሲንጋ ንጀነራል ታደሰ ክረኽቦ ሕዚ ጥራይ ኣይኰነነን፣ ቅድሚ ሕዚ’ውን ፈቲኑ ኣይሰመረሉን፡” ዝብል እቲ መቕርብ፡ ካብኡ ግን ተሰሪዙ’ዩ ምባሉ ይዝክር። ስለዝዀነ’ውን፡ እቲ ናይ ዝሓለፈ ረቡዕ ካልኣይ ቈፀራ ምንባሩ እዮም እቶም ናይ ቀረባ ምንጭታት ዝገልፁ።

“እቲ ናይ ትማሊ፡ ቈፀራ ምስ ተትሓዘ ‘ክራኸቡ እዮም’ ዝብል ትፅቢት ነይሩና፤ ሰዓት ሓሙሽተ እዩ ቈፀረኦም ነይሩ፤ ንሱ’ውን ቆፀራ ከም ዘለዎ እዩ ዝፈልጥ፤ እቲ ኣምባሳደር መቐለ ከም ዝኣተወ’ውን ይፈለጥ እዩ ነይሩ፤ ካብኡ ግን ኣስታት ሰዓት ኣርባዕተ ረፋድ፡ ናብቲ ዋና ሓለዋ ስልኪ ተደዊሉ፡ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።”

እቲ ቈፀራ ክኣክል ሓደ ሰዓት ምስ ተረፎ፡ ካብ ሓላፊ ቪኣይፒ ሓለዋ [ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ] ዝተደወለ ስልኪ ነቲ ኵነታት ከም ዝቐየሮ ይዛረቡ።
“ምንም ዓይነት ዕጀባ ከይትገብሩ፤ ምንም ዓይንት ምንቅስቓስ ከይትገብሩ፤ መኪናታት ከይንቀሳቐሳ፤ እዚ’ውን ንባዕሉ [ንጀነራል ታደሰ] ኣፍልጡዎ፡” ዝብል ትእዛዝ እዩ ተመሓላሊፉ።

“ነዚ ትእዛዝ ተመሓላሊፍኩም ዝዀነ ምንቅስቓስ እንተ ገይርኩም ድማ ካልእ ሓይሊ ኣሎ ክዓግተኩም ዝኽእል፤ ስለዚ ዝዀነ ፀገም ከይፍጠር፤ ምንም ዓይነት እንቅስቃሴ ከይትገብሩ፡” ዝብል ቍርፂ ትእዛዝ ከም ዝነበረ እቲ መቕርቡ ይዛረብ።
እዚ ንባዕሉ ንጀነራል ታደሰን ንኹሎም ሹፌራትን ሓገዝቱን ክንገሮም ድማ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።

እቲ ሓላፊ ሓለዋኡ፡ እዚ ትእዛዝ ንጀነራል ታደሰ ምስ ኣፍለጦ፡ እቲ ጀነራል ከም ዘይተቐበሎን፡ ‘ባዕለይ መኪና ገኒሐ ክኸይድ እየ’ ኢሉ ተበጊሱ ከም ዝነበረ ድማ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

እንተዀነ፡ እቲ ኵነታት ኣብ ልዕሊ ሓለውቱ ኰነ ኣባላት ስድርኡ እዝዩ ዘጨንቕ ከም ዝነበረ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።
ብፍላይ ኣባላት ስድራኡ፡ ‘ይትረፍካ፡ ምስቲ ዘሎ ኵነታት እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይፍለጥን’ ኢሎም ከም ዝለመንዎን ከይወፅእ ከም ዝተማሕፀንዎን ምፍላጥ ተኻኢሉ።

እቲ ኣምባሳደር ንጀነራል ታደሰ ክረኽቦ ተስፋ ገይሩ ከም ዝነበረን ኣብ መወዳእታ በቲ ናይ ቤተሰብ ማዕዳ ተመሊሱ፡ ደዊሉ ነቲ ኵነታት ከም ዘረደኦን ይዛረቡ።

“ብድሕሪኡ ብስልኪ ተዘራሪቦም” ዝብሉ እቶም ምንጭታት፡ ን20 ደቒቓ ዝኣክል ከም ዘውግዑ፤ እንተዀነ፡ ትሕዘቶ እቲ ዘተ ምፍላጥ ኣይተኽኣለን።
ሓደ ናይ ቀረባ ምንጪ፡ “እዚ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ዓዲ ይመርሕ ዝነበረ ጀነራል፡ ናይ ምዝራብ መሰሉ፡ ሰባት ናይ ምርካብ መሰሉ፡ ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ ብወግዒ ተዓጊቱ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ፡” ኢሉ።
“ወፂኡ ነይሩ እንተ ዝኸውንከ እንታይ እዩ ከጋጥም ነይሩ?” ብዝብል ድማ ይሓትት።

መምርሒ ጥሒሶም ‘በይንኻ ኣይንሰደካን ምሳኻ ክንከይድ ኢና’ ዝበሉ ኣባላት ሓለዋ ከም ዝነበሩን እንተ ዘይሰምዖም ነይሩ እንታይ ክፍጠር ይኽእል ከም ዝነበረን ዛጊድ የተሓሳስቦም ኣሎ።
እቲ ኣምባሳደር፡ ምስ ምክትል ህወሓት ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ዝርከቦም ሰብስልጣን፡ ብዛዕባ ውዕል ፕሪቶርያን ኵነታት ተመዛበልትን ተዘራሪቡ ከም ዝኸደ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ብኣጋጣሚ ኰይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ኰነ ወተሃደራዊ ሓላፊ ኰይኑ ስራሕ ስለ ዝበዝሖ፡ ብዙሕ ውፅእ ውፅእ ዝብል ከም ዘይነበረ እዩ ዝዝረብ።

“ብፍላይ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ግን፡ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ከም ዘሎ እዩ ዝስመዐና፡” ይብሉ መቕርባቱ።
30 ሚያዝያ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ፡ ብኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ከም ዝተተከአ ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ፡ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ከይዱ ከም ዘይፈልጥን ምስኣቶም ዝዀነ ርክብ ከም ዘይገብርን ይዛረቡ።

እንተዀነ፡ ኣብ ጥቓ ገዝኡ ናብ ዝርከብ ናይ ውልቁ ቤት ፅሕፈት ከም ዝኸይድን ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ገዝኡ መፃሕፍቲ ብምንባብ ከም ዘሕልፎን፡ እቶም ምንጭታት ይዛረቡ። ኣብዛ ቤት ፅሕፈቱ ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ፕላኔት ሆቴል ሰብ ይረክብ ከም ዝነበረን፣ እንተዀነ ብናታቶም ሰናይ ፍቐድን ኣብ ናታቶም ናይ ድሕነት ቍፅፅርን ከም ዝዀነ’ውን ይግምቱ።
“ካልኦት እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጣሪ ኵነታት ይምልከተና እዩ ዝብሉ፡ ንጀነራል ታደሰ ክረኽብዎ ይደልዩ እዮም፡” ዝበሉ እቶም ምንጭታት፡ ዝረኸብዎ ኣካላት ከም ዝነበሩ ኣረጋጊፆም።

ንኣብነት ድማ ሓደ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተልኣኸ ከም ዝዀነ ዝእመን፡ ነባር ነርወያዊ ኣምባሳደር፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣዛሪቡዎ ከም ዝኸደ ይገልፁ።
ምስ ኣምባሳደር ኣመሪካ ክራኸብ ክፈቕድሉ እዮም ዝብል ግምት እዩ ነይሩዎም። “እዚኣ፡ ስለ ዘይደለዩዋ ከይትኸውን ገይሮም፡” ይብሉ።

ስለዚ፡ ብፍላይ ብድሕሪ እቲ ናይ ትማሊ ተጓንፎ፡ ንሱ ዝቈፃፀሮ ዝዀነ ነገር ከም ዘየለን ኣብ መፃኢ እንታይ ክፍጠር ከም ዝኽእል ንቤተሰብን ንመቕርባቱን ዘጨንቕ ኰይኑ ከም ዘሎን፡ ካብቶም ምንጭታት ክርዳእ ተኻኢሉ።

ዛጊድ ኣባላት ሓለውኡን መኪናኡን ምስኡ ከም ዘለዉ፣ እንተዀነ፡ ብዘይስሩዕ መንገዲ እቲ ሓለዋ ከም ዝቕነስን መኪናኡ ከም ዝውሰድን ይሰምዑ ከም ዘለዉ፡ እቶም ንድሕነቶም ክንብል ዘይንጠቕሶም መቕርባቱ ይዛረቡ።

“እቲ ናይ ትማሊ ትእዛዝ ኣዝዩ ዘበሳጩን ዘቘጥዕን እዩ ነይሩ፣ ናይ ምዝራብን ናይ ምንቅስቓስን መሰሉ ተሓዲጉ ከም ዘሎ እዩ ዘርኢ።”
ኣብቲ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ወርሒ፡ ብዙሕ ካብ ገዛ እንተ ዘይወፅአ’ኳ፡ እቲ ናይ ትማሊ ተግባር ግን ኣሰካፍን ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከም ዘሎ ብቕሉዕ ዘርኢ ከም ዝዀነን እዮም ተዛሪቦም።

ኣብ ክሊ እቲ ዝፀንሐ ነባር ሓለዋ፡ ካልእ ዙር ሓለዋ ኣሎ ብዛዕባ ዝበሃል ዝተሓተቱ ኣባላት መቕርባቱ፡ ‘ብልክዕ ኣይንፈልጥን’ ብምባል ጥርጣራታት ከም ዘለዎም ግን ኣይሓብኡን።

ትግራይ፡ ፈተነ ቅትለት ዝተፈጸሞም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ገዛ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ

ትግራይ፡ ፈተነ ቅትለት ዝተፈጸሞም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ገዛ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ

ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ክልተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከምዝተፈጸመ ይግለፅ ኣሎ። ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት…

ሐምሌ 16, 2026
ብ ትግራይ ግዱድ ግፋ ዝፍፅሙ ዘለው ሓይልታት ካብ ሻዕብያ ልእኽቶ ዝተወሃቦም ምኳኖም ተረጋጊፁ

ብ ትግራይ ግዱድ ግፋ ዝፍፅሙ ዘለው ሓይልታት ካብ ሻዕብያ ልእኽቶ ዝተወሃቦም ምኳኖም ተረጋጊፁ

ኣብ ውሽጢ  ፖለቲካውን ፀጥታውን ኩነታት ትግራይ ምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት ከምዘሎ ተፈሊጡ። ቀዳማይ መቃልዒ እዚ ሓቂ እቲ ንትግራይ…

ሐምሌ 15, 2026
እቲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ግዱድ ዕስክርናን መተግበሪ ኣዋጁን፡ ሰብኣዊ መሰላት ዝጠሓሰ ምዃኑ ወቐሳታት ይቐርብ ኣሎ

እቲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ግዱድ ዕስክርናን መተግበሪ ኣዋጁን፡ ሰብኣዊ መሰላት ዝጠሓሰ ምዃኑ ወቐሳታት ይቐርብ ኣሎ

እቲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ግዱድ ዕስክርናን መተግበሪ ኣዋጁን፡ ሰብኣዊ መሰላት ዝጠሓሰ ምዃኑ ወቐሳታት ይቐርብ ኣሎ። ሓላፊ ቤት…

ሐምሌ 6, 2026
ብሓይሊ ምምላስ ዝተወንዘፈ መንግስቲ ሲዒቡ ኣብ ትግራይ እንታይ ምዕባለታት ተራእዮም

ብሓይሊ ምምላስ ዝተወንዘፈ መንግስቲ ሲዒቡ ኣብ ትግራይ እንታይ ምዕባለታት ተራእዮም

ኣብ ትግራይ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ፤ ስደት መናእሰይ ፤ኣብ ሸራሮ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ፤ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ውሽጢ ትግራይ ፤…

ሰኔ 29, 2026