Image

ኣብ ዝሕጂ እዋን ሰራዊት ሻዕብያ ለቒቑ ዝብል ዝናፈስ ዘሎ ወረ ሓሶት እዩ።  እተን ለቒቑወን ዝባሃላ ከባቢታት ሸራሮ  ከም ባዓል ዋዕላ ንህቢ ፣ ገዛ ተጋሩን ሰምበልን ካብ ፈለምኡ ኣብ ርሑቕ ኮይኑ ዝቆፃፀረን ዝነበረ እየን።

ካብዙይ ብዝተረፈ ኣብ ሙሉእ ጣብያ ምልፃይን ሙሉእ ጣብያ ዓድፀፀርን ከምዘሎን ንብዙሕ ዓመታት ዝነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ ንብረቶም እንዳሕጀገ ይሰዶም ከምዘሎ እዩ ጥሉል ሓበሬታ ዝረኸብኩ።  ንፅቡቕ ኢልካ ምሕሳው ይጠቅም እንተኾይኑ ሓስው ኣመል ኮይንኩም  እንተሓሰኹም እውን ግን ሓስው መሰልኩም እዩ።
ሻዕብያ ሒዝዎ ዘሎ መሬት ትግራይ  ነዙይ ይመስል ብሹም።
1) ፍቕያ ገብረ
2) ዓዲ ፀፀር
3) ድችናናማ(ልጅ ማርያም)
4) ደንበላኻ
5) ዓዲ ተዃሉ
6) ሃሞዳይ
7) ዓዲ ሃይቀዳም
8) ምልፃይ
9) ሕሞር
10) ታሕታይ ሰላሞ
11) ካብ ባድመ ክሳብ ሰምበል ዘሎ ኩሉ ቦታትት
እዙይ ኣብ ትሕቲኡ ሒዝዎ እናሃለወ ትግራይ ካብ ሻዕቢያ ሓራ ወፂኣ እያ እናበልኩም ትሕስው ዘለኹም ሓሰውቲ ሓሰውቲ ጥራሕ ኢና ክንብለኩም ንኽእል ኣብ ዝሕጂ ሳዓት ካልእ መዓልቲ ግን መልሲ ክትህቡ ክትግደዱ ኢኹም ንምታይ ብዝተፈናቐሉ ቤተሰብና ከምዝሓጨጭኩም።

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዘላምበሳ ወጺኡ ድዩ ኣይወጸን እስኪ ኣጻርዩልና ናቡኡ ዝቀረብኩም።

ወጺኡ እዩ ኢልና ንሐዚ ንበገስ እሞ ታይ እዩ ዘመላከት እዙይ ዝብል ንረኣይ።

ሻዓብያ is desperate. ኣብ ልዕሊ ዝተደቀነ ሓደጋ ከቢድ ምኳኑ ብደንቢ ተረዲኡ ኣሎ ማለት እዩ።

ስለዚ ንክልት ዓሰርታት ዓመታት መሬተይ ኢሉ ሃንቀው ዝብለሉ ዝነበረ ሓዲጉ እንተወጺኡ ዘመላክቶ እዙይ እዩ። ሸዓብያ ረውረው ምባል ጀሚሩ ኣሎ።

2) ሻዓብያ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጲያ ንሱን ወይ ድማ ትግራይ ክክፈት ዝክእል ኲናት ኣዝዩ ከምዝቀረበ ብደንቢ ፈሊጡ ኣሎ። ቀዲምካ ልቢ ትግራዋይ ንምሓዝ እዩ እዙይ ጉያ ጉያ።

( ምልቃቅ ዛላንበሳ ኲናት ኣብ ሓጺር ግዜ ይመጽእ ከምዘሎ መርኣይ ጌርካ ምውሳድ ይከኣል) መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ ናይ ትማሊ ቅዋሙ ብተጸራሪ ብዲና ሙፍቲ ኣቢሉ ዝከፍቶ ዘሎ ናይ ካብ መሬተይ ይውጸኣለይ ፕሮፖጋንዳ እውን ነቲ ዝውላዕ ኲናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጋዊነትን ዲፕሎማሲያዊ ቅብሉነትን ክረክበሉ ዝዓለመ ጥራሕ እዩ። ኮነይ መነይ መንግስቲ ኢትዮጲያ እውን ናብዚ ዝኣትዊ ዘሎ ነቲ ኲናት ናይ ፕሮፖጋንዳ ምንጻፍ ንምንጻፍ እዩ።

ሻዓብያ እውን መሬት ትግራይ መሊኡ ተለቂቁ ትግራይ ኣብ ጎኑ ንምስላፍ ፕሮፖጋንዳ ኮይኑ ካብ ምግልጋሉ ወጻኢ መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ መሬተይ ውጸለይ ዝብል ፕሮፖጋንዳ እውን ዘስእኖንን ባሕሪ ማሓዝ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ጥራሕ ኣብ ኢዱ ዘትርፈሉን እዩ።

3) እቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን ሻዓብያን ዘሎ ጽምዶ ናብ ምትእምማንን ካሊእ ብርኪ ምሽግጋሩን መርኣያ እውን እዩ። ውዕል ኣልጀርስ ንጎኒ ሓዲጎም ብካሊእ ውሽጣዊ ስምምዕነት ተኪኦምን ተኣማሚኖሙን ኣለው ማለት እዩ።

እዙይ ውጽኢት ስታሌንን ልፍዓተይን ዝገበርዎ ርክብ እዩ ኢሉ ዝሓስብ ተሃልዩ ክሕዘነሉ ዝግባእ ባሃም እዩ። እዚ ምትእምማን ታይ ረብሓ ትግራይ ተሃጊሩ ከምዝተፈጠረ ካሊእ ዛዕባ እዩ።

ዳ ህወሓት ማዓረ ተደራደርቲ ዘይኾኑስ ጊላታት ሻዓብያ ኮይኖም እቲ ጽምዶ የኪድዎ ስለዘለው ረብሓ ትግራይ ኣሀጊሮም ከምዝፈጥርዎ ፍሉጥ እዩ።

4) ሻዓብያ መሬት ትግራይ ለቂቁ እንትወጽእ ምስ ትግራይ ምትእምማን ንምፍጣርን ልቢ ትግራዋይ ንምስራቅን ሓሲቡ ዋላ እንተኮነ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክገብሮ እዩ ተባሂሉ ግን ዝሕሰብ ኣይኾነን።

ብውሕዱ እቲ ለቂቅዎም ዝወጽእ ዘሎ መሬታት ብሰራዊት ኢትዮጲያ ከምዘይተሓዙ ወይ ሰራዊት ኢትዮጲያ ናብዞም ቦታታት እዚኦም ከምዘይሰፍር ካብ ዳ ህወሓት ውሕስና ረኪቡ ኣሎ ማለት እዩ።

እዙይ ሰራዊት ኢትዮጲያ ናብ ዶባት ትግራይን ኤርትራን ትውር ከይብል ዳ ህወሓት ተስማሚዖም ስለዘለው መንግስቲ ኢትዮጲያ ምስ ሻዓብያ ኲናት ተከፊቱ ትግራይ መንጎኛነታ ዘስእን ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ኲናት ብደቡብን ምዕራብን ትግራይ ጀሚሩ ዝክፈት ሜዳ ኲናት ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ትግራይ ክኸውን ተወዲኡ ኣሎ ማለት እዩ።

ፌደራል ንሻዓብያ ብዓፋር ክገጦሞ እሞ ትግራይ ግን ዳሕራይ ክምለሰኪ ዝብል ስልቲ ከምዘይክተል ፍሉጥ እዩ። ዛላንበሳ ንምብጻሕ ብመቐለ ምሕላፍ ግድን ዝብሎ እዩ።

5) ብወገን ዶባት ትግራይ ኣቢሉ ናብ ኤርትራ ዝግበር ውግእ ንምትራፍ ሻዓብያ መሬት ትግራይ ልቃቅን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ትግራይ ብምግባር buffer zone ይፈጠር ተሃልዩ እዙይ ናይ መጀመሪያ ብርኪ እዩ።

ካልኣይ ብርኪ ብትግራይ ኣቢሉ ናብ ኤርትራ ዝግበር ኲናት መሊእካ ምትራፍ ተኮይኑ እቲ ስትራተጂ ዝሓዝካዮ መሬት ትግራይ ምልቃቅ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዝርከብ መሬት ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ትግራይ ምግባር ግድን ክብሎ እዩ።

ብምዕራብ ትግራይ ኣቢሉ ናብ ዶባት ኤርትራ ዝጽጋዕ ሰራዊት ኢትዮጲያ ከይህልው። ስለዚ ሰራዊት ሻዓብያ መሬት ምልቃቅ ጥራሕ ዘይኮነስ ምዕራብ ትግራይ እውን ኣብ ትሕቲ ቁጽፅር ሰራዊት ትግራይ ከኣትው ናይ ባዕሎም ግደ ክጻወቱ ይክእሉ እዮም።

እዙይ ምእንተ ትግራይ ዝግበር ኣይኾነን። እዚ እትግበር ምስ ካሊእ መጻምዶም ፋኖ ክፍጠር ዝክእል ጎንጺ ጥሙት እዩ። ሻዓብያ ዳ ህወሓትን ፋኖን ኣስማዕሚዑ ብሓደ ሓዝዎ ብሓደ ብኡ ዝክፈተኒ ግንባር ኲናት ዕጸዩለይ ክብሎም እውን ይክእል እዩ። ዳ ህወሓት ዝግድሾም ኣይመስለንን።

እንግሊዝ የኤርትራ ዲፕሎማቶችን እንቅስቃሴ እንደምትገድብ አስጠነቀቀች

እንግሊዝ የኤርትራ ዲፕሎማቶችን እንቅስቃሴ እንደምትገድብ አስጠነቀቀች

ሻዕቢያን ከሳህል በረሃ የትጥቅ ትግል ዘመን ጀምሮ ኤርትራን ገንጥሎ መንግስት እስከሚሆን ድረስ በርካታ የአውሮፓ ሀገራት አጋር ሆነው የፋይናስና…

ጥቅም 15, 2026
ኦነግ ለኢሳይያስ ንግግር በመግለጫ ምላሽ ሰጠ

ኦነግ ለኢሳይያስ ንግግር በመግለጫ ምላሽ ሰጠ

የኦሮሞ ነጻነት ግንባር (ኦነግ) ትናንት ባወጣው መግለጫ “ህዝባችን ላይ የታወጀና በቀጣናው ደግሞ እየተስተዋሉ ያሉ ችግሮች እየጠነከሩ በመምጣታቸው እንዲሁም…

ጥቅም 14, 2026
የተቋረጠው የትግራይ በረራ በድጋሚ መጀመሩ ምን ያመለክታል?

የተቋረጠው የትግራይ በረራ በድጋሚ መጀመሩ ምን ያመለክታል?

የኢትዮጵያ አየር መንገድ በጊዜያዊነት ተቋርጦ የነበረውን ወደ መቀሌ ከተማ የሚያደርገውን መደበኛ በረራ እሁድ ከጥቅምት 1 ቀን 2019 ዓ.ም ጀምሮ…

ጥቅም 12, 2026
ኢትዮጵያ ስለተፈጸመባት ወረራ ለተመድ የፀጥታ ም/ቤት አሳወቀች

ኢትዮጵያ ስለተፈጸመባት ወረራ ለተመድ የፀጥታ ም/ቤት አሳወቀች

የኢትዮጵያ የውጭ ጉዳይ ሚኒስትር ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቲዮስ ኢትዮጵያ በኤርትራ ወረራ እንደተፈጸመባት እና ራሷን ከመከላከል ውጪ ሌላ አማራጭ እንደሌላት…

ጥቅም 12, 2026