ኣብ ትግራይ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ፤ ስደት መናእሰይ ፤ኣብ ሸራሮ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ፤ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ውሽጢ ትግራይ ፤ ናይ ዲፕሎማሲ ምንቅስቓስ ማለት ዑደት ኦሊሴጉን ኦባሳንጆን ብማሕበረሰብ ዓለም ዝተነብረ እገዳ ቪዛን ተሪእዮታት ሒዙ ዝተቐልቀለ ብሓይሊ ሰልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ህወሓትን ኣብ ባይታ ዘለው ሓቅታትን እንተሪኢና ;-
ትግራይ ካብቲ ዘሕለፈቶ ጥንኩር ናይ ክልተ ዓመት ውግእ ስዒቡ ናብ ዝሓሸ ሰላምን ርግኣትን ክትምለስ ህዝቢ ብናፍቖት ክፅበ እንከሎ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን እቲ ክልል ናብ ካልእ ዘይተፈልጠ ኣንፈትን ከቢድ ፖለቲካዊ ወጥሪን የምረሕ ከምዘሎ ዘርእዩ ሓደስቲ ፍፃሜታት ይጋሃዱ ኣለዉ።
ኣብ ትግራይ ብሓይሊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ መሪሕነት፣ ድሕሪ ምምላስ ቤት ምኽሪን መንግስትነት ስርዓት ደብረፅዮንን፣ ሰፊሕ ናይ ዕጡቓት ስልጠናን ወታደራዊ ምንቅስቓሳትን የካይድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
እዚ ጸብጻብ ከምዘነጽሮ፣ እቲ ክልል ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓይሊ ምልመላ (ግፋ)፣ ስደት መናእሰይ፣ ኣብ ሸራሮ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን ደብዳብን ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ወጥሪን ኣብ ህዝቢ ዓሚቝ ስግኣት ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ከምዘጋጠመ ተገሊፁ ኣሎ።
ወታደራዊ ምንቅስቓስን ተሳትፎ ኣብ ናይ ሱዳን ኲናትን ቀፂሉ እንሪኦ ትኩረት ኣንፈት እዚ ዜና ድማ
ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝወፁ ናይ ዓይኒ ምስክራትን ናይ ፀጥታ ምንጭታትን ከም ዘረጋገፅዎ፣ ኣብ መላእ ትግራይ ሰፊሕ ናይ ወታደራዊ ሓይሊ ምልመላን ፅዑቕ ስልጠናን ይካየድ ኣሎ።
እዚ ብስሩዕ ዝዕጠቕ ዘሎ ሓይሊ ህወሓት፣ ምስቲ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዘሎ ህውከት ተተሓሒዙ፣ ኣብቲ ናይ ሱዳን ኲናት ይሳተፍ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ይወፁ ኣለዉ። እዚ ተሳትፎ እዚ ነቲ ዞባ ናብ ሓድሽ ናይ ጂኦ-ፖለቲካዊ ቅልውላው ክሸሞ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ የጠንቅቑ።
በቲ ሓደ ሸነኽ፣ እዚ ጻውዒት ክተትን ኲናትን፣ ነቲ ንነዊሕ እዋን ብኲናት ዝተሃሰየ ህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ናይ ስነ-ኣእምሮን ቁጠባን ፆር ኮይንዎ ኣሎ። ህዝቢ “ድሕሪ እቲ ኹሉ ዕንወት መሊስና ናብ ኲናት ዲና ንኣቱ ዘለና?” ዝብል ከቢድ ስኽፍታታት የሕድር ከምዘሎ ካብቲ ክልል ዝመፁ ሓበሬታታት የነፅሩ።
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀር ስደት መናእሰይ
እዚ ኣብቲ ክልል ዝረአ ዘሎ ናይ ግፋን ወታደራዊ ስልጠናን ፀቕጢ፣ ነቲ ኣብ ዓዱ ተስፋ ዝቖረፀ መንእሰይ ወለዶ ናብ ስደት ይስደድ ከምዘሎ ተገሊፁ እዩ።
ብመሰረት ናይ ኣህጉራዊ ትካላት ስደት (IOM) ወጋዓዊ ጸብጻባትን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይ ትግራይ መዓልታዊ ዶባት ብምጥሓስ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይስደዱ ኣለዉ። እዚ ጉዳይ እዚ ነቲ ክልል ናብ ከቢድ ናይ ሰብኣዊ ሓይሊ (Brain Drain) ሕፅረት ዘውድቕን ነቲ ንኡስ ወለዶ ዘብርስን ምዃኑ ኣካላት ማሕበረሰብ ይገልፁ።
ኣብ ከባቢ ሸራሮ ዝተፈፀመ ናይ ድሮን ደብዳብ ድማ
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከባቢ ሸራሮ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን ደብዳብ፣ ነቲ ክልል መሊሱ ናብ ፍርህን ራዕድን ኣእትይዎ ኣሎ። እቲ መጥቃዕቲ ድሮን ብመን ከምዝተፈጸመን ዝበጽሐ ዕንወትን ብንጹር ዘየረጋገጹ ጸብጻባት እኳ እንተሃለዉ።
ጉጅለ ህወሓት ግን ብመንግስቲ ኢ/ያ ከም ዝተፈፀመ እዩ ዝኸስስ ፤ እዚ ማለት ትግራይ ምስ ኢ/ያ ካብ ፕሮፖጓንዳ ናብ ኩናት ተሰጋጊራ ከምዘላ ዘንፅር ሓቂ ይገብሮ።
ብወገን ፌደራል መንግስቲ ኢ/ያ ድማ ነቲ ብጉጅለ ህወሓት ዝወፀ ሓይሊ ኣየር ኢ/ያ ተሓታቲ ዝገበረ መጥቃዕቲ ድሮን ነፂጉ ህወሓት ምስ ሱዳን ሸሪኻ ክብል ይስማዕ ኣሎ፣ እቲ ፍፃሜ ግን ኣብቲ ዶባዊ ከባቢታት ዘሎ ወታደራዊ ወጥሪ ኣዝዩ በሪኽ ደረጃ ከምዝበፀሐ ዘርእይ እዩ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ብሰንኪ እዚ ዳግማይ ዝተወለዐ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ንድሕነቶም ዓቢ ስግኣት ከምዝሓደሮም ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ይገልፁ።
ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምስሕሓብን ምደባ ካድረታትን ኣብ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ድማ ድሕሪ ምምላስ ውዝፍ ዝተባሃለ መዓልቲ ዝሓለፎ መንግስትን ቤት ምኽርን ብዙሓት ንቐፌታታት እናስዐበ እዩ ዘሎ ኣብ ትግራይ።
ብመሰረት ካብ ውሽጢ መቐለ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ድሕሪ ምምላስ ቤት ምኽሪን መንግስትነት ስርዓት ደብረፅዮንን፣ ኣብ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ኣብያተ ዕዮ ዓቢ ምቅይያር ይግበር ኣሎ።
መሪሕነት እቲ ክልል፣ ኣብ ማእኸላይን ላዕለዋይን ምሕደራ ዝርከቡ ኣብያተ ዕዮ ብምስሌነን ካድረታትን ነቲ ውድብ (ህወሓት) ብዝድግፉ ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን ጥራይ ከምዝተሓዙ ይገብር ኣሎ።
እዚ ስጉምቲ እዚ፣ ነቶም ንለውጥን ንሰላምን ዝፅዕሩ ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካ ሓይሊታት ዘግለለ ብምዃኑ፣ ነቲ ክልል ናብ ዝኸፈአ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ወጥሪ የንቆልቁሎ ከምዘሎ ይንገረሉ። ተቃወምቲ ውድባት እዚ ኣሰራርሓ እዚ ንዲሞክራስያዊ መስርሕ ዝቐብርን ሓደ ውድብ ጥራይ ንምግዛእ ዝግበር ዘሎ ናይ ምልኪ ጒዕዞን እዩ ክብሉ ይነቕፉዎ።
ዲፕሎማሲያዊ ጽልዋታት፦ ዑደት ኦባሳንጆን እገዳ ቪዛን እውን ድሕሪ መምላስ ቤት ምኽሪ ዝምዕቡሉ ዘለው ፍፃመታት ምካኖም ይንገር ኣሎ።
ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ውሽጢ ዓዲ ወጥሪ፣ ናይ ቀደም ፕረዚደንት ናይጄሪያን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝነበሩ ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ምብጻሕ ከምዝገበሩ ተፈሊጡ ኣሎ።
ዕላማ ናይዚ ዑደት ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወታደራዊ ወጥሪ ንምህዳእን ነቲ ናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕ ሰላም ናብ መስመሩ ንምምላስን ዝዓለመ ምዃኑ ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ይሕብሩ።
ይኹን እምበር፣ እቲ ዞባዊ ፖለቲካ ንድሕሪት ይምለስ ከምዘሎ ብምግንዛብ፣ ብወገን ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ብምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ገለ መራሕቲ እቲ ክልል ናይ ቪዛ እገዳታት ይንበር ከምዘሎ ተገሊጹ።
እዚ እገዳ እዚ፣ እቲ ስርዓት ነቲ ናይ ሰላም ቃል-ኪዳን ጥሒሱ ናብ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ብምእታዉ ዝተነብረ ናይ መቕጻዕቲ ስጉምቲ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።
እቲ ህዝቢ “ድሕሪ ምምላስ ዝተወዘፈ መንግስቲ” ናብ ኩናት ኣንፈቱ ምኳኑ ዘነፀረ ይመስል ።እቲ ምምላስ ቤት ምኽሪ፤ ንትግራይን ህዝባን ናብ ምንታይ ኣንፈት ይመርሓ ከምዘሎ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ፍርሒ፣ ወታደራዊ ፀቕጢ፣ ስደትን ቁጠባዊ ምልቃቕን ወጺኡ ናብ ናይ ሓቂ ሰላም ክሰጋገር ዝነበሮ ተስፋ፣ ሕዚ እውን ብሰንኪ እዞም ብሓይሊ ቤት ምኽርን መንግስትን መሉስና ዝብሉ ካድረታትን ጉጅለታትን ሓደስቲ ወታደራዊን ፖለቲካዊን ምዕባለታት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሕቶ ምልክት ወዲቑ ከም ዘሎ ፀብፃባት ይሕብሩ።


















