Image

እቲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ግዱድ ዕስክርናን መተግበሪ ኣዋጁን፡ ሰብኣዊ መሰላት ዝጠሓሰ ምዃኑ ወቐሳታት ይቐርብ ኣሎ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ  እቲ ስርዓት ዝተባሃሉ ኣይተ ኣማኑኤል ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ግብረ-መልሲ፡ “ኣብ ንቡር ኩነታት ከምዘይኣለና ኣይፈለጥኩምን?” ዝብል ምላሽ ምሃቦም ንቡዝሓት ዘቆጠዐን ። እዚ ኣቀራርባ እዚ፡ ኣብያተ-ፍርድን ናይ መሰል ሕቶታትን ከየልዕላ ዝዕፍን፡ ፍትሓዊ ኣገባብ ዝረግፅን እዩ ድማ ይብልዎ እቶም እቲ መድረኽ ዝተኸታተሉ ኣካላት።

ፖለቲካውያን ተዓዘብትን ውሽጣዊ ምንጭታትን ከምዝሕብርዎ፡ እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቃስ ምስ ውሽጣዊ ፖለቲካ ጥራሕ ዝተኣሳሰረ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ስርዓት ሻዕብያ፡ ምስቶም ሉኡላውነት ትግራይ ከውሕሱ ዘይከኣሉ ሓለፍቲ  ብምትእስሳር ዝፍፅሞ ዘሎ ተግባር ምዃኑ ኣረጋጊፆም።

ስርዓት ሻዕብያ እቲ ብዘይቀጥታዊ  መንገዲ ነዊሕ ትእዛዛቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንቢሩ፡ ብነዊሕ  ንትግራይ ንምምሕዳር ዝዓለመ ስትራቴጂ  ሙሉእ ፍቃድ ካብ ጉጅለ ህወሓት ምርካቡ ገሊፆም።

ነዚ ሓቂ እዚ ዘረጋግጹ ፍፃመታት ብግህዶ ይበራኸቱ ከምዘለዉ ዝገልጹ ፀብፃባት ከምዝሓበርዎ፦ ቀዳማይ፡ እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ “ኣነ ግፋ ኣይፈጸምኩን” ኢሉ ምኽሓዱ፤ ኻልኣይ፡ ቃላት ዘየውጽኡን ብሓይሊ ጥራሕ ዝንቀሳቀሱን ምስጢራውያን ኣሃዱታት ስለያ ምብዛሖም፤ ሳልሳይ፡ ዝተገፈፉ መንእሰያት ዝውሰዱሉ ዘለዉ ናይ መወዳእታ ቦታ ናብ ኤርትራ ምዃኑ ዝሕብሩ ምልክታት ምርኣዮም ስርዓት ሻዕብያ ንትግራይ ከምባህጉ ጌሩ የመሓድር ከምዘሎ የርድኡ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ዝተገፈፉ መንእሰያት ምስ ስድራቤቶም ርክብ ከይገብሩን ሓቀኛ ኩነታቶም ከይፍለጥን፡ ወለዲ ኣሽሓት ቅርሺ ከፊሎም ዝዓደጉሎም ተንቀሳቀስቲ ስልክታቶም ማለት (ሞባይል) ብሓይሊ ይምንጠሉ ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ እዚ ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ናብ ኲናት ናይ ምእታው ምንቅስቃስ ናቱ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ነቲ ጻውዒት ተቐባልነት ከምዘይሃቦን ብሰንኪ እዚ ድማ እቶም ኣካላት ናብ ምስጢራዊ ሓይሊ ክበፅሑ ከምዝተገደዱን እቶም ፀብፃባት የገንዝቡ።

 እቲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ግዱድ ዕስክርናን መተግበሪ ኣዋጁን፡ ሰብኣዊ መሰላት ዝጠሓሰ ምዃኑ ወቐሳታት ይቐርብ ኣሎ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ  እቲ ስርዓት ዝተባሃሉ ኣይተ ኣማኑኤል ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ግብረ-መልሲ፡ “ኣብ ንቡር ኩነታት ከምዘይኣለና ኣይፈለጥኩምን?” ዝብል ምላሽ ምሃቦም ንቡዝሓት ዘቆጠዐን ። እዚ ኣቀራርባ እዚ፡ ኣብያተ-ፍርድን ናይ መሰል ሕቶታትን ከየልዕላ ዝዕፍን፡ ፍትሓዊ ኣገባብ ዝረግፅን እዩ ድማ ይብልዎ እቶም እቲ መድረኽ ዝተኸታተሉ ኣካላት።

ፖለቲካውያን ተዓዘብትን ውሽጣዊ ምንጭታትን ከምዝሕብርዎ፡ እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቃስ ምስ ውሽጣዊ ፖለቲካ ጥራሕ ዝተኣሳሰረ ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ስርዓት ሻዕብያ፡ ምስቶም ሉኡላውነት ትግራይ ከውሕሱ ዘይከኣሉ ሓለፍቲ  ብምትእስሳር ዝፍፅሞ ዘሎ ተግባር ምዃኑ ኣረጋጊፆም።

ስርዓት ሻዕብያ እቲ ብዘይቀጥታዊ  መንገዲ ነዊሕ ትእዛዛቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንቢሩ፡ ብነዊሕ  ንትግራይ ንምምሕዳር ዝዓለመ ስትራቴጂ  ሙሉእ ፍቃድ ካብ ጉጅለ ህወሓት ምርካቡ ገሊፆም።

ነዚ ሓቂ እዚ ዘረጋግጹ ፍፃመታት ብግህዶ ይበራኸቱ ከምዘለዉ ዝገልጹ ፀብፃባት ከምዝሓበርዎ፦ ቀዳማይ፡ እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ “ኣነ ግፋ ኣይፈጸምኩን” ኢሉ ምኽሓዱ፤ ኻልኣይ፡ ቃላት ዘየውጽኡን ብሓይሊ ጥራሕ ዝንቀሳቀሱን ምስጢራውያን ኣሃዱታት ስለያ ምብዛሖም፤ ሳልሳይ፡ ዝተገፈፉ መንእሰያት ዝውሰዱሉ ዘለዉ ናይ መወዳእታ ቦታ ናብ ኤርትራ ምዃኑ ዝሕብሩ ምልክታት ምርኣዮም ስርዓት ሻዕብያ ንትግራይ ከምባህጉ ጌሩ የመሓድር ከምዘሎ የርድኡ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ዝተገፈፉ መንእሰያት ምስ ስድራቤቶም ርክብ ከይገብሩን ሓቀኛ ኩነታቶም ከይፍለጥን፡ ወለዲ ኣሽሓት ቅርሺ ከፊሎም ዝዓደጉሎም ተንቀሳቀስቲ ስልክታቶም ማለት (ሞባይል) ብሓይሊ ይምንጠሉ ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ እዚ ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ናብ ኲናት ናይ ምእታው ምንቅስቃስ ናቱ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ነቲ ጻውዒት ተቐባልነት ከምዘይሃቦን ብሰንኪ እዚ ድማ እቶም ኣካላት ናብ ምስጢራዊ ሓይሊ ክበፅሑ ከምዝተገደዱን እቶም ፀብፃባት የገንዝቡ።

መንበሪ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ፅዑቕ ሓለዋ ከምዝወደቐ መተሓባበርቲ ፀጥታ እቲ ጀነራል ገሊፆም

መንበሪ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ፅዑቕ ሓለዋ ከምዝወደቐ መተሓባበርቲ ፀጥታ እቲ ጀነራል ገሊፆም

ኣብ ክሊ እቲ ዝፀንሐ ነባር ሓለዋ፡ ካልእ ዙር ሓለዋ ተዋፊሩ ከምዘሎን እቲ ጀነራል ምስ ሰባትን ኣምባራደራትን ከይራኸብ ከምዝተኸልከለን…

ሐምሌ 20, 2026
ትግራይ፡ ፈተነ ቅትለት ዝተፈጸሞም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ገዛ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ

ትግራይ፡ ፈተነ ቅትለት ዝተፈጸሞም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ገዛ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ

ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ክልተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከምዝተፈጸመ ይግለፅ ኣሎ። ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት…

ሐምሌ 16, 2026
ብ ትግራይ ግዱድ ግፋ ዝፍፅሙ ዘለው ሓይልታት ካብ ሻዕብያ ልእኽቶ ዝተወሃቦም ምኳኖም ተረጋጊፁ

ብ ትግራይ ግዱድ ግፋ ዝፍፅሙ ዘለው ሓይልታት ካብ ሻዕብያ ልእኽቶ ዝተወሃቦም ምኳኖም ተረጋጊፁ

ኣብ ውሽጢ  ፖለቲካውን ፀጥታውን ኩነታት ትግራይ ምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት ከምዘሎ ተፈሊጡ። ቀዳማይ መቃልዒ እዚ ሓቂ እቲ ንትግራይ…

ሐምሌ 15, 2026
ብሓይሊ ምምላስ ዝተወንዘፈ መንግስቲ ሲዒቡ ኣብ ትግራይ እንታይ ምዕባለታት ተራእዮም

ብሓይሊ ምምላስ ዝተወንዘፈ መንግስቲ ሲዒቡ ኣብ ትግራይ እንታይ ምዕባለታት ተራእዮም

ኣብ ትግራይ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ፤ ስደት መናእሰይ ፤ኣብ ሸራሮ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ፤ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ውሽጢ ትግራይ ፤…

ሰኔ 29, 2026