
ኣብ ውሽጢ ፖለቲካውን ፀጥታውን ኩነታት ትግራይ ምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ቀዳማይ መቃልዒ እዚ ሓቂ እቲ ንትግራይ ብሓይሊ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ፍፁም ሓሶትን ንታሪኻዊ ኣመፃፅኡኡ ዘይገልፅን ምኳኑ ብወግዒ ኣነፂሩ እዩ።
እዚ ማለት ናይ ደገ ሓይልታት ፅምዶ ዝፍፅምዎ ዘለው ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ መንነቶምን ቋንቆኦምን ከይልለ ገፆም ዝተዓፈኑ ብረት ዝተዓጠቁ ሓይልታት ብዘይሕንድያ ዝፍፀም ብምኳኑ ድማ ጓናዊ ስጉምቲ ከምዝገብሮ ተንተንቲ ፖለቲካን ብቅርበት ስለ ትግራይ ዝሕለቁ ኣካላትን ገሊፆም።
መንነቶም ብዘይተፈልጡ፡ ገጾም ብጭምብል ዝሸፈኑ ዕጡቓት ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ግፋ መንእሰያትን ምስጢራዊ ማእሰርትን፡ ህዝባዊ ቁጠዐ እናልዐለ ይመፅእ ኣሎ።
ፖለቲካዊ ተዓዘብቲ፡ እዚ ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ግዱድ ዕስክርናን ምስጢራዊ ምጭዋይን፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህሉው ናይ ሓይሊ ምምሕዳርን ካብ ደገ ዝመጽእ ዘሎ ፅልዋታትን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ይገልፁ ኣለው።
እቲ ጕዳይ ክሳብ ዶባት ኤርትራ ዝዝርጋሕ ምስጢራዊ መስመር ከምዘለዎ ዝሕብሩ ሓቅታት ይጋሃዱ ከምዘለው ሓበሬታታት የርድኡ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ከተማ መቐለ ሓዊሱ መንእሰያት ካብ ዝወዓሉሉ ቦታታት ብሓይሊ ናብ መኪናታት እናተሓፈሱ ይውሰዱ ኣለዉ።
እቶም ነዚ ተግባር ዝፍጽሙ ዘለዉ ኣካላት ገጾም ብጭምብል ዝሸፈኑ፡ ቃላት ዘይናገሩን ሓይሊ ጥራሕ ዝጥቀሙን ብምዃኖም፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዓብይ ስንባደ ፈጢሩ ኣሎ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ሓይሊ ጉጅለ “ኣብ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ይኹን ሐዚ ግፋ ኣይተኻየደን” ኢሉ ሓቂ ክኽሕድ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ እቶም መንእሰይ ዝሓፍሱ ዘለዉ ምስጢራውያን ኣካላት መን ምዃኖም ንህዝቢ ወግዓዊ መግለጺ ክወሃበሉ ሓቲቶም ኣለዉ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ግዱድ ዕስክርናን መተግበሪ ኣዋጁን፡ ሰብኣዊ መሰላት ዝጠሓሰ ምዃኑ ወቐሳታት ይቐርብ ኣሎ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ እቲ ስርዓት ዝተባሃሉ ኣይተ ኣማኑኤል ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ግብረ-መልሲ፡ “ኣብ ንቡር ኩነታት ከምዘይኣለና ኣይፈለጥኩምን?” ዝብል ምላሽ ምሃቦም ንቡዝሓት ዘቆጠዐን ። እዚ ኣቀራርባ እዚ፡ ኣብያተ-ፍርድን ናይ መሰል ሕቶታትን ከየልዕላ ዝዕፍን፡ ፍትሓዊ ኣገባብ ዝረግፅን እዩ ድማ ይብልዎ እቶም እቲ መድረኽ ዝተኸታተሉ ኣካላት።
ፖለቲካውያን ተዓዘብትን ውሽጣዊ ምንጭታትን ከምዝሕብርዎ፡ እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቃስ ምስ ውሽጣዊ ፖለቲካ ጥራሕ ዝተኣሳሰረ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ስርዓት ሻዕብያ፡ ምስቶም ሉኡላውነት ትግራይ ከውሕሱ ዘይከኣሉ ሓለፍቲ ብምትእስሳር ዝፍፅሞ ዘሎ ተግባር ምዃኑ ኣረጋጊፆም።
ስርዓት ሻዕብያ እቲ ብዘይቀጥታዊ መንገዲ ነዊሕ ትእዛዛቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንቢሩ፡ ብነዊሕ ንትግራይ ንምምሕዳር ዝዓለመ ስትራቴጂ ሙሉእ ፍቃድ ካብ ጉጅለ ህወሓት ምርካቡ ገሊፆም።
ነዚ ሓቂ እዚ ዘረጋግጹ ፍፃመታት ብግህዶ ይበራኸቱ ከምዘለዉ ዝገልጹ ፀብፃባት ከምዝሓበርዎ፦ ቀዳማይ፡ እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ “ኣነ ግፋ ኣይፈጸምኩን” ኢሉ ምኽሓዱ፤ ኻልኣይ፡ ቃላት ዘየውጽኡን ብሓይሊ ጥራሕ ዝንቀሳቀሱን ምስጢራውያን ኣሃዱታት ስለያ ምብዛሖም፤ ሳልሳይ፡ ዝተገፈፉ መንእሰያት ዝውሰዱሉ ዘለዉ ናይ መወዳእታ ቦታ ናብ ኤርትራ ምዃኑ ዝሕብሩ ምልክታት ምርኣዮም ስርዓት ሻዕብያ ንትግራይ ከምባህጉ ጌሩ የመሓድር ከምዘሎ የርድኡ።
ብተወሳኺ፡ እቶም ዝተገፈፉ መንእሰያት ምስ ስድራቤቶም ርክብ ከይገብሩን ሓቀኛ ኩነታቶም ከይፍለጥን፡ ወለዲ ኣሽሓት ቅርሺ ከፊሎም ዝዓደጉሎም ተንቀሳቀስቲ ስልክታቶም ማለት (ሞባይል) ብሓይሊ ይምንጠሉ ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ህዝቢ ትግራይ እዚ ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ናብ ኲናት ናይ ምእታው ምንቅስቃስ ናቱ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ነቲ ጻውዒት ተቐባልነት ከምዘይሃቦን ብሰንኪ እዚ ድማ እቶም ኣካላት ናብ ምስጢራዊ ሓይሊ ክበፅሑ ከምዝተገደዱን እቶም ፀብፃባት የገንዝቡ።

















