እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኻየዱ ጉባኤታት ዝወፁ ሓበሬታታት ከም ዝሕብርዎ ፡ ኣብ ትግራይ ብሓይሊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰርዓት ህወሓት ከሳልጦ ዝቐነየ ጉባኤ ዘበት ፤ ሃገራዊ ፅንተት ዓበይቲ ሕቶታት ህዝቢ ምምላስ ብምስናኑ ዓብዩ ዘይምትእምማን ፈጢሩሉ ይርከብ።
እቲ ጉባኤ ንህዝቢ ካብ ምግልጋል ይኹን ካብ ድሕነት ንምዕቋብ ዝተሓለቀ ዘይኮነስ፡ ስልጣን ጥራሕ መሰረት ዝገበረ ናይ ኩናት ፕሮፖጓንዳ እዪ ክብሉ ተሳተፍቲ መድረኻት ገሊፆም።
ከምቲ ካብ ተሳተፍቲ ዝተገለፀ ፤ “ከም ቀደም ኣይኮናን ትብሉና ዘለኹም ሕዚ ፀረ ድሮንን ፀረ ነፈርትን ካልኦት ዘመናዊ ተክኖሎጅታትን ኣለና ዲኹም ትብሉ ዘለኹም” ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ኩለን ጉባኤታት ብፅኑዕ ተላዒሎም እዮም።
ይኹን እምበር ፤ እቲ ካብቲ ስርዓት ዝወሃብ ዝነበረ መልሲ ፤ “ፅምዶ ኣብ ፅቡቅ ኩነታት ኣሎ ፤ ብድሕሪትና ዝወግኣና ፀላኢ የለን” ዝብል ጥራይ ኰይኑ ተረኺቡ። እዚ ድማ ስርዓት ሻዕብያ ሓጋዚ ክኸውን ኣምሲሉ ዝቐርብ ፕሮፖጋንዳ እምበር ፤ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ዝዓለመ ከም ዘይኮነ ተኣከብቲ ገሊፆም።
ኣብቲ እዋን ዝተለዓሉ ዛዕባታት ፤ እቶም ዝተሓተቱ ናይ ኩናት ዘመናዊ መሳርሕታት ኣለኩም ወይስ የብልኹምን ዝብል ሕቶ ቀዲሙ ብተግባር ዝተመለሰ ሓቂ ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ።
ንኣብነት ድሮናት ኣብ እንትጮ ፤ ኣብ ማርያም ሸዊቶ ፤ ከምኡ እውን ኣብ ሸራሮ መጥቃዕቲ እንትፍፅማ ንምንታይ እቲ ዝበሃል ዘሎ “ፀረ ድሮን” ዘይተጠቐመሉ? ዝብል ሕቶ ንምምምላሱ ዘፀግም ሓቂ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ድማ ፀረ ድሮን ኣብ ባይታ ከምዘየለ ግብራዊ መልሲ ዝህብ ፍፃመ ምዃኑ እቶም ተኣከብቲ የረጋግፁ።
ብተወሳኺ ፤ “ሻዕብያ ምሳና እዩ” እንትብሃል ፤ ንምንታይ ኣብ ማይ ዳጉሻ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓ/ም ንሰለስተ መዓልቲ ዝተኻየደ ኩናት ናይ ሰራዊት ወይ መከናይዝድ ሓገዝ ዘይገበረ? ዝብል ሕቶ እውን ብዕቱብ ተላዒሉ እዩ።
እቲ ዝቐርብ ዘሎ ፅምዶ ንመንእሰይ ትግራይ ናይ ኩናት ወነን ቆራፅነት ንምሃብ ዝተሓሰበ ፕሮፖጋንዳ ጥራይ ምዃኑ ቁልጭ ኣቢሉ ዘብረሀ እዪ ክብሉ ገሊፀምዎ።
እንተኾነ ግን ጉጅለ ህወሓት ንባዕሎም ናይ ወርቅን መሬት ሽያጣትን ኣብ ውሽጢ ዘኻዕብትዎ ሃፍቲ ሓሊፉ ፤ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ንዝገጥምዎ ሃሰያታት ዝከላኸል ቴክኖሎጂ ኣብ ባይታ ከምዘየለ ዘርኢ ፍፃመ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ድማ እቶም መራሕቲ ተገልቢጦም “5 ሜትሮ ጎዳጉዲ ኳዓቱ ፤ ደብዳብ ድሮን ከየጋጥመኩም” ይኽእል እዩ ክብሉ ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ይፈጥሩ ኣለው። እቲ ኣለና ዝተባሃለ ናይ ኩናት ቴክኖሎጂ ቀርዩ ፤ መንእሰይ ትግራይ ንምስላፍን ንኻልእ ዕላማ ንምውዓልን ዝዓለመ ምንባሩ ግልፂ ኰይኑ ኣሎ።
ንምንታይ ዳኣ እዞም ሓቅታት ይወፁ ኣለው ንዝብል ሕቶ ፤ መንእሰይ ተዘይ ኣመነ ተገዲዱ ክኸይድ ስለዝግበር ዘሎ፤ ኣብ ኢድ ዝኣተወ ኣየምልጥን ካብ ዝብል ናይ ተስፋምቁራፅ መንፈስ “ጉድጓድ ኳዓቱ ኢልናኩም ኔርና” ብምባል ድማ ካብ ተሓታትነት ንምርሓቅ በቲ ጉጅለ ህወሓት ዝተተሓዘ ስሑት መንገዲ ምኳኑ ብምግላፅ ፤ ፅምዶ ፕሮፖጓንዳ እምበር ግብራዊ ከምዘይኮነ ኣነፂሩ ኣሎ














