Image

እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ  ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኻየዱ ጉባኤታት ዝወፁ ሓበሬታታት ከም ዝሕብርዎ ፡  ኣብ ትግራይ ብሓይሊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰርዓት ህወሓት ከሳልጦ ዝቐነየ ጉባኤ ዘበት ፤ ሃገራዊ ፅንተት ዓበይቲ ሕቶታት ህዝቢ ምምላስ ብምስናኑ ዓብዩ ዘይምትእምማን ፈጢሩሉ ይርከብ። 

እቲ ጉባኤ ንህዝቢ ካብ ምግልጋል ይኹን ካብ ድሕነት ንምዕቋብ ዝተሓለቀ  ዘይኮነስ፡ ስልጣን ጥራሕ መሰረት ዝገበረ  ናይ ኩናት ፕሮፖጓንዳ  እዪ ክብሉ ተሳተፍቲ መድረኻት ገሊፆም።

ከምቲ ካብ ተሳተፍቲ ዝተገለፀ ፤ “ከም ቀደም ኣይኮናን ትብሉና ዘለኹም ሕዚ ፀረ ድሮንን ፀረ ነፈርትን ካልኦት ዘመናዊ ተክኖሎጅታትን ኣለና ዲኹም ትብሉ ዘለኹም” ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ኩለን ጉባኤታት ብፅኑዕ ተላዒሎም እዮም።

ይኹን እምበር ፤ እቲ ካብቲ ስርዓት ዝወሃብ ዝነበረ መልሲ ፤ “ፅምዶ ኣብ ፅቡቅ ኩነታት ኣሎ ፤ ብድሕሪትና ዝወግኣና ፀላኢ የለን” ዝብል ጥራይ ኰይኑ ተረኺቡ። እዚ ድማ ስርዓት ሻዕብያ ሓጋዚ ክኸውን ኣምሲሉ ዝቐርብ ፕሮፖጋንዳ እምበር ፤ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ዝዓለመ ከም ዘይኮነ ተኣከብቲ ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን ዝተለዓሉ ዛዕባታት ፤ እቶም ዝተሓተቱ ናይ ኩናት ዘመናዊ መሳርሕታት ኣለኩም ወይስ የብልኹምን ዝብል ሕቶ ቀዲሙ ብተግባር ዝተመለሰ ሓቂ ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ።

ንኣብነት ድሮናት ኣብ እንትጮ ፤ ኣብ ማርያም ሸዊቶ ፤ ከምኡ እውን ኣብ ሸራሮ መጥቃዕቲ እንትፍፅማ ንምንታይ እቲ ዝበሃል ዘሎ “ፀረ ድሮን” ዘይተጠቐመሉ? ዝብል ሕቶ ንምምምላሱ ዘፀግም ሓቂ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ድማ ፀረ ድሮን ኣብ ባይታ ከምዘየለ ግብራዊ መልሲ ዝህብ ፍፃመ ምዃኑ እቶም ተኣከብቲ የረጋግፁ።

ብተወሳኺ ፤ “ሻዕብያ ምሳና እዩ” እንትብሃል ፤ ንምንታይ ኣብ ማይ ዳጉሻ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓ/ም ንሰለስተ መዓልቲ ዝተኻየደ ኩናት ናይ ሰራዊት ወይ መከናይዝድ ሓገዝ ዘይገበረ? ዝብል ሕቶ እውን ብዕቱብ ተላዒሉ እዩ።

እቲ ዝቐርብ ዘሎ ፅምዶ ንመንእሰይ ትግራይ ናይ ኩናት ወነን ቆራፅነት ንምሃብ ዝተሓሰበ ፕሮፖጋንዳ ጥራይ ምዃኑ ቁልጭ ኣቢሉ ዘብረሀ እዪ ክብሉ ገሊፀምዎ።

 እንተኾነ ግን ጉጅለ ህወሓት ንባዕሎም ናይ ወርቅን መሬት ሽያጣትን ኣብ ውሽጢ ዘኻዕብትዎ ሃፍቲ ሓሊፉ ፤ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ንዝገጥምዎ ሃሰያታት ዝከላኸል ቴክኖሎጂ ኣብ ባይታ ከምዘየለ  ዘርኢ ፍፃመ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ድማ እቶም መራሕቲ ተገልቢጦም “5 ሜትሮ ጎዳጉዲ ኳዓቱ ፤ ደብዳብ ድሮን ከየጋጥመኩም” ይኽእል እዩ ክብሉ ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ይፈጥሩ ኣለው። እቲ ኣለና ዝተባሃለ ናይ ኩናት ቴክኖሎጂ ቀርዩ  ፤ መንእሰይ ትግራይ ንምስላፍን ንኻልእ ዕላማ ንምውዓልን ዝዓለመ ምንባሩ ግልፂ ኰይኑ ኣሎ።

ንምንታይ ዳኣ እዞም ሓቅታት ይወፁ ኣለው ንዝብል ሕቶ ፤ መንእሰይ ተዘይ ኣመነ ተገዲዱ ክኸይድ ስለዝግበር ዘሎ፤ ኣብ ኢድ ዝኣተወ ኣየምልጥን ካብ ዝብል ናይ ተስፋምቁራፅ መንፈስ  “ጉድጓድ ኳዓቱ ኢልናኩም ኔርና” ብምባል ድማ ካብ ተሓታትነት ንምርሓቅ በቲ ጉጅለ ህወሓት ዝተተሓዘ ስሑት መንገዲ ምኳኑ  ብምግላፅ ፤ ፅምዶ ፕሮፖጓንዳ እምበር ግብራዊ ከምዘይኮነ ኣነፂሩ ኣሎ

እንግሊዝ የኤርትራ ዲፕሎማቶችን እንቅስቃሴ እንደምትገድብ አስጠነቀቀች

እንግሊዝ የኤርትራ ዲፕሎማቶችን እንቅስቃሴ እንደምትገድብ አስጠነቀቀች

ሻዕቢያን ከሳህል በረሃ የትጥቅ ትግል ዘመን ጀምሮ ኤርትራን ገንጥሎ መንግስት እስከሚሆን ድረስ በርካታ የአውሮፓ ሀገራት አጋር ሆነው የፋይናስና…

ጥቅም 15, 2026
ኦነግ ለኢሳይያስ ንግግር በመግለጫ ምላሽ ሰጠ

ኦነግ ለኢሳይያስ ንግግር በመግለጫ ምላሽ ሰጠ

የኦሮሞ ነጻነት ግንባር (ኦነግ) ትናንት ባወጣው መግለጫ “ህዝባችን ላይ የታወጀና በቀጣናው ደግሞ እየተስተዋሉ ያሉ ችግሮች እየጠነከሩ በመምጣታቸው እንዲሁም…

ጥቅም 14, 2026
የተቋረጠው የትግራይ በረራ በድጋሚ መጀመሩ ምን ያመለክታል?

የተቋረጠው የትግራይ በረራ በድጋሚ መጀመሩ ምን ያመለክታል?

የኢትዮጵያ አየር መንገድ በጊዜያዊነት ተቋርጦ የነበረውን ወደ መቀሌ ከተማ የሚያደርገውን መደበኛ በረራ እሁድ ከጥቅምት 1 ቀን 2019 ዓ.ም ጀምሮ…

ጥቅም 12, 2026
ኢትዮጵያ ስለተፈጸመባት ወረራ ለተመድ የፀጥታ ም/ቤት አሳወቀች

ኢትዮጵያ ስለተፈጸመባት ወረራ ለተመድ የፀጥታ ም/ቤት አሳወቀች

የኢትዮጵያ የውጭ ጉዳይ ሚኒስትር ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቲዮስ ኢትዮጵያ በኤርትራ ወረራ እንደተፈጸመባት እና ራሷን ከመከላከል ውጪ ሌላ አማራጭ እንደሌላት…

ጥቅም 12, 2026