ጉጅለ ህወሓት ንግዚያዊ መንግስቲ ብሓይሊ ድሕሪ ምእላዩ፤ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከምዝተቋረጹ፣ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ወታደራዊን ዓቕሚታት ተጋሩ ከምዝተበተኑ ዝሓበሩ ሙሁራት ካብ መቐለ።
ኣዋጅ ቁፅፅር 366/2018፣ ግፋን ማእሰርትን፣ መሃያ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ምኽልካልን ዕፅዋ ባንክታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ስጋት ፈጢሩ ኣሎ እዚ እውን ነቲ ብሓል ስልጣን ዝሓዘ ስርዓት ህወሓት ወንበር ምስ በሓተ ዝተራኣዩ እዮም ብምባል ዝወቐሱ ኮይኖም ;-
ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሓደገኛ ሃዋህው ኵናትን ምኽንያታቱን ብዕሙቅ ንምምርማር ኣብ ግምባር ሸረሪና ዝተጀመረ ኩናት መበገሲ ብምግባር ምስ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ሙሀራት ፤ ኣብ ግምባር ሸረሪና ተጀሚሩ ዘሎ ቅሉዕ ኵናት፡ ሃንደበታዊ ዘይኮነስ፡ ካብቲ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ሕጊ ኣልባ ፤ ብሓይሊ ዝተፈፀመን ምፍራስ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ መበገሲኡ ዝገበረ ምዃኑ ብምብራህ ይቅፅሉ።
እቲ ብ25 ሓምለ 2018 ዓ/ም ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሰራዊት ህወሓትን ዳግማይ ዝተጎሃሃረ ኵናት፤ ጉጅለ ህወሓት ንግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ብሓይሊ ምእላዩ ስዒቡ ዝተኸስተ ከቢድ ፖለቲካዊ ፍፃመ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣብ ትግራይ ድሕሪ እዋን ግዚያዊ ምምሕዳር ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ስነ-ልቦናዊን ቅልውላው፤ ህዝቢ ትግራይ ዳግማይ መርድእ ደቁ ከይሰምዕ ሰማይ ደጊፉ ኣሎ ብምባል ነቲ ማሕበራዊ ሰግኣት ኣብሪሆም።
እቲ ብግሁድ ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሓብሮ፡ ጉጅለ ህወሓት ንግዚያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ድሕሪ ምእላዩ እንታይ ኣጋጢሙ ንዝብል ሕቶ መልሲ ዝሃቡ እቶም ሙሁራት፡ ዝርዝር መከራታት ህዝቢ ትግራይ ጠቒሶም ኣለው።
ቅድሚ ኩሉ፡ ምቁራጽ ዲፕሎማስያዊ ርክባት፡ ምብትታን ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ወታደራዊን ዓቕሚታት ተጋሩ ከም ዝተፈጸመ ኣመልኪቶም። ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግፋን ማእሰርትን ከም ዝተፈጸመ፡ መሃያ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ብግፍዒ ከም ዝተኸልከለ፡ ከምኡ እውን ዕጽዋ ኣገልግሎት ባንክታትን ቁጠባዊ ምንቅስቓሳትን ብምክያድ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ስጋት ከም ዝወደቐ ሓቢሮም።
ኣብ ትግራይ ድሕሪ እዋን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምቁራጽ ዲፕሎማስያውያን ውርክባት፡ ብሓይሊ ስልጣን ምብሓት ብጉጅለ ህወሓትን ፅምዶታት ብኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፅንተት ዝፈፀሙ ኣካላትን ተኸሲቶም ዝበሉ እቶም ሙሁራት፤ ኣዋጅ ጨቋንን ሰብኣዊ መሰል ተጋሩ ዝረገፀን ኣዋጅ 366/2018 ከም ዝወፀን ኣዘኻኺሮም።
እዚ ድማ ብሰንኩ ግፋን ማእሰርትን ህዝቢ ከም ዘሃደደ፣ ምኽልካል መሃያ መንግስቲ ሰራሕተኛታትን ዕጽዋ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳት ህዝቢ ኣብ ከቢድ ስጋት ከም ዝወደቐ ኣረጋገፆም።














