ኣብ ትግራይ ሓዱሽ ዕልዋ መንግስቲ ክፍጸም ይኽእል ዝብል ስግኣት፤ ወታደራዊ ኣመራርን ፖለቲካዊ ኣመራርሓን ውጥረት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ዘመልክቱ ሓበሬታት ይበጽሑና ኣለው፡፡
ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊን ወታደራውን መራሕቲን ካብ እዋን ናብ እዋን ዘይምርድዳእን ኣፈላላይ ቅዋምን ርድኢት እቲ ዘሎ ኩነታትን ኣሰላልፋ ሓይሊን እናማዕበለ ይኸይድ ከምዘሎን እዚ ድማ እቶም እቶም ነዚ ኩነታት ብዝተፈለየ መንገዲ ክንፈትሖን ክንሪኦን ኣለና ዝብሉ ገለ ላዕለዎት ወታደራዊ መሪሕነት ኣብ ልዕሊ እቲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝተቆጻጸረ ጉጅለ ህወሓት ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ከምዘሎ እቶም ነዚ ጉዳይ ብፍሉይ ይምዕብል ከምዘሎ ዝዛረቡ ምንጪታት ይገልጹ፡፡
ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ወዝወጹ ሓበሬታታት ሓደ፤ ቀንዲ ላዕለዋት ወታደራዊ መራሕቲ ህወሓት ካብ ፖለቲካዊ ውሳነ መድረኽ ተገሊሎም ብምህላዎም፣ ነቲ ኣንጻላልዩ ዘሎ ውሽጣዊ ወታደራዊ ዕልዋ ንምፍጻም ሚስጢራዊ ምንቅስቃሳት ከምዝጀመሩ የመልክቱ ኣለዉ፡፡
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝኾነ ሚኒስተር ጌታቸው ረዳ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣቢሉ ናብ መቐለ ክኣቱን እዚ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንምፍጻም እኹል ምድላው ንገብር ኣለና ምባሉ ዝዝከር እዩ፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብ ዓፋር ዝንቀሳቀስ ንዓርሱ ሓይሊ ሰላም ትግራይ ቲፒኤፍ ብምባልል ዝፅውዕ ሓይሊ “ህዝቢ ኣብ ቀረባ እዋን ሓራ ክትወጽእ ኢኻ ምባሉን ምድልዋቱ የሐይል ከምዘሎን ከምኡ እውን ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ጀነራል ገብረእግዛብሄር በየነ ወዲ ኣንጥሩ እውን እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓይሊ ናትና እዩ፤ እንታይ ከምዝገብር፤ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሓይሊ ዘተኣማምኖም ኣይኮነን ኢሉ ኣብ ሓደ መድረኽ ምዝራቡ ነዚ ጥርጣረ ዘጠናኽሮ እዩ።
እዚ ድማ ዶ/ር ደብረጽዮን ዝመርሖ ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዘለሉ ሰዓት እዩ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ወታደራዊ ዕልዋ ከጋጥም ከምዝክእል እቶም ምንጪታትና ስግኣቶም ገሊጾሙልና ዘለዉ፡፡
ድሕሪ ኲናት ትግራይ፣ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ወታደራዊ መራሕትን ዘጋጠመ ኣፈላላይን ክፍፍልን እናዓበየ ዝከይድ ዘሎ ስግኣት እዩ፡፡
ኣብ ውሽጢ እናገወደ ዝመጸ ፖለቲካዊ ወታደራውን ዘይምትእምማንን ምጥርጣርን፣ ናብ ወታደራዊ ስጉምቲ ክዓቢ ከምዝክእል እዮም ግምቶም ዝገልጹ።
ነበር ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጄነራል ታደሰ ከም ቀደሙ ብግልጺ ድምጹ ዘይስማዕ ምህላዉ ኣንታይ ምንቅስቃስ ይገብር ኣሎ፡ዝብል ሕቶ ኣበጋጊሱ እዩ ዘሎ።
ኣብ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ናብ ወታደራዊ ምትእትታው ካብ ዝቅየር ጸኒሑ ኣዩ ዝብሉ ፍልፍላት ትግራይ ሆራይዘን መቐለ ካልእ ተወሳኺ ዕልዋ ክተተኣናግድ ትክእል እያ፡ዝብል ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለው፡፡
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ሰፊሕ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምንቅስቃስ ዝገብር ዘሎ ሓይሊ ጌታቸውን ጻድቃንን መቐለ ንምእታው ከመይ መዓዝን ዝብል ኣጅንዳ ጌሮም ይዛተዩ ከምዘለውን ነዚ ንምግባር እውን ምንቅስቃሳት ምጅማሮም እዩ እቶም ፍልፍላትና ተዘማድነት ዘለዎ ምዕባለ ኣካፊሎምና ዘለዉ።
ካብ ዕልዋ ናብ ዕልዋ ዝሰጋገር ዘሎ ፖለቲካ ትግራይ ካብ ዘበነ ጌታቸው ናብ ስልጣን ጀነራል ታደሰ ካብ ጅነራል ታደሰ፡ናብ ዶ/ር ደብረጽዮም፡ዘሎ፡ሽግግር ዕጥቃዊ ወታደራዊ፡ምንቅስቃስ ዝተሓወሶ ምኻኑን ናብ ሻዕቢያ ኤርትራ ዘዕነየሉን ዘጥፈኣሉን ስርዓት ከምድሌቱ ዝዕንድረላ ኮይና ኣላ ትግራይ።
ኣብ መንጐ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ ንምጽባብ ብዝተፈላለዩ መገድታት ጽዕርታት ክግበር ዝጸንሐ እኳ እንተኾነ እቲ ከይዲ ዕርቂ ፈሺሉ ክልቲኦም መራሕቲ ኣቦ መንበር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን (ዶ/ር) ምክትሉ ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ናብ ጸላእቲ ከምዝዓበዩ ይፍለጥ እዩ፡፡
ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝመርሖ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዛብሄር ድማ ብቀንዱ ዝመርሕዎ ዘለው ህወሓት ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንስምምዕነት ፕሪቶርያ ብምፍራስ ግጭት ንምብግጋስ ይንቀሳቀሱ ኣለዉ ብዝብል ኣሜሪካ ማዕቀብ ከምዝኣወጀትሎም ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ህወሓት ኣብ ታሪኹ ሪእዎ ዘይፈልጥ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎን ህዝባዊ ቅቡልነት ምስኣንንነ ኣጋጢምዎ እዩ ዘሎ፡፡
እዚ ካብ ውሽጢ ህዝብን ካብ ማሕበረሰብ ዲፐሎማሲን ሲእንዎ ዘሎ ቅቡልነት ድማ ምስቶም ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብምፍራሙ ተኾሊፍና ትግራይ ዘይጥፋእናያ ኢሎም ስኖም ዝነኸሱ ሓይልታት ጽንተት ሻዕቢያን ፋኖን ተላፊኑ ኣብ ኢትዮጳያ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ብምውጋድ ናብ ኣራት ኪሎ ንምምላስ ኣዊጁ ይንቀሳቀስ እዩ ዘሎ፡፡
ትማሊ ምስ ትግራይ ቴልቪዥን ጻንሒት ዝገበረ ኣባል መሪሕነት ህወሓት ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ኣብ ቀረባ እዋናት ወጥሪ ንምህዳእ ምኻኑ ዝተገለጸሉ ብኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ናይ ድጋፍ መግለጺ ዝተውሃቦ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካን አፈራራሚ ስምምዕነት ፕሪቶርያን ዝኾነ ኦሌሳጉን ኦባሳንጆ ዝጀመሮ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈት መዘሓሐሊ ምንቅስቃስ መኸተናን ምስ ጽምዶ ዝተጀመረ ምትሕብባር ንምዕንቃፍን ኣብ ሞንጎና ምጥርጣር ንምፍጣርን ዝዓለመ እዩ ብምባል ዲፐሎማስያዊ በሪ ህወሓት ዕጹው ምኻኑ ተዛሪቡ እዩ፡፡
ምስ ህወሓት ብሓባር ይቃለስ ዘሎን ኣብ ሓበራዊ ዕማም ቃልሲ ከምዘሎ ዝገልጸን ነበር መሪሕነት ውድብ ባይቶና ኣብዚ እዋን ድማ ብህወሓት ንቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ክመርሕ ዝተሸመ ኣቶ ኪዳነ ኣመነ፤ ድሕሪ ሕዚ ትግራይ ንበይና እትደራረሉ ኩነታት የለን ብምባል ዕድል ትግራይ ብሻዕቢያን ፋኖን ከምዝውሰን ኣዘራራቢ መግለጺ ምሃቡ ይዝከር እዩ፡፡
እዚ ድማ ነቶም ኣብ ትግራይ ሰለማዊ ሓቃዊ ፖለቲካዊ ድርድር ኣብ ሞንጎ ውሽጣውያን ሓይልታት ክካየድን ንኩሎም ሓይልታት ፖለቲካ፤ ዝተዓጠቑን ሲቪል ማሕበራትን ዘካተተ ብሄራዊ ጉባኤ ክካየድ ዝጉስጉሱ ዘለዉ ሓይልታት ፖለቲካ ትግራይ ክድገፍ እዩ ተባሂሉ ኣይሕሰብን፡፡
በዚ ድማ ነቲ ዕድላት ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቁጽጽሩ ገይሩ ህዝቢ ትግራይ ጅሆ ሒዙ መጻወቲ ጸረ ትግራይ ዝኾኑ ሓይልታት ሻዕቢያን ፋኖን ገይርዋ ተባሂሉ ዝክሰስ ዘሎ ሓይሊ ካብቲ ናተይ ዝብሎ ወታደራዊ ሓይሊ ከቢድ ስግኣት ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ እቶም ምዕባለታት የረድኡ፡፡














