ሰላም ትግራይ ኣብ ምዝራግን ሓድነት ተጋሩ ኣብ ምብታንን ዝለዓለ ናይ ጥፍኣት ተራ እናተፃወተ ዝርከብ ልዕሊ ኮር ወርቅኣዝማች ምግበይ ምዃኑ ተገሊፁ።
ምግበይ ንኹነታት ተበሊፁ ውልቃዊ ጥቅሙ ኣብ ምርግጋፅን ንመራሕቲ ኣደናጊሩ ድሌታቱ ኣብ ምፍፃም ዝተደረኸ ፡ሰብ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ሓበሬታ፤ በዚ ዝኣከቦ ዘይሕጋዊ ሃፍቲ ንኸይስእንን ዝፈፀሞ ወንጀል ብሕጊ ንከይሕተትን ሰላም ትግራይ ኣብ ምዝራግ ዝለዓለ ግደ ዝፃወት ዘሎ መራሒ ጥፍኣት ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ምግበይ መሪሑ ዘዐወቶ ዋላ ሓደ ውግእ ከምዘየለ ዝገለፁ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ኣመራርሓ ሰራዊት፤ ካብቶም ፈራሓት እናተባሃሉ ዝፍሉጡ፣ ዘይወዓለሉ ናይ ካሊእ ጅግንነት እናሰረቐ ናተይ ዓወት እዩ ብምባል እናጭበጨበረ ዝነብር ቐጣፊ ነጋዳይ ኹናት ምዃኑ ገሊፆም።
ብሚድያ እንትስማዕ ፍሉይ ጅግና መሲሉ ክርአ ይፍትን እምበር፤ ኣብ ትግራይ’ውን በዚ ግጉይ ስእሊ ብዙሕ ዝተደናገረ ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን ተባሂሉ።
ኣብቲ እዋን መኸተ ፡ድሕሪ ምምራኽ ስብሓት ነጋን መስዋእቲ እኒ ስዩምን ኣባይ ፀሃየን ሳተላይት ፎን ስለ ዝነበሮ ናብ ሚድያ ሃላዋት እቲ መኸተ ምግላፁ ጥራሕ ከም ዝፍለጥን እዚኣ ተራ ናይ ቃል-መቐበሊ ስራሕ ንምግበይ ከም ፍሉይ ታሪኽ ሰራሒ ተወሲዳትሉ ከም ዘላ ተገሊፁ።
ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ምዕራብ ግንባር ዝነበሩ ስሪሒታት መብዛሕቶም ጅግንነት ጉዑሽ ገብረን ካልኦትን እንተኾኑ፡ ምግበይ ግን ናይ ባዕሉ እናምሰለ ዘጭብርብረለን ጅግንነት ካልኦት ናይ ምስራቕ ልምዲ ዘለዎ ሰብ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ጀነራል ጉዑሽ ናብ ምብራቕ ምስተቐየረ ምግበይ ብቐጥታ ዝመርሖም ውግኣት ዳባት፣ ደባርቕ፣ ፀለምቲ ወይ ፀሊሞይን ውግኣት ኣድያቦ ዳግማይ መልሲ ሻዕብያን ምግበይ መጭበርበርን ሰራቂ ጅግንነትን ደኣ ‘ምበር ፍፁም ወታደራዊ መሪሕነት ዘይኽእል ምዃኑ ዘረጋገፃ ዓውደ ውግኣት ምዃነን ተገሊጹ።።
ብሰንኪ ምግበይ ፡ ብዓይነ-ዑሙተይ እቶ እናተብሃለ ኣብ ዳባት፣ ደባርቕን ፀሊሞይን ዘወደቐን ዝተሰውአን ትግራዋይ ቁፅሩ ብርቱዕ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ሓበሬታ፤ እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ምግበይ ምስ መሳርሕቱ ተረዳዲኡ ፅቡቕ ስራሕ ናይ መስራሕ ተኽእሎ ስለዘይብሉ ፤ ንውግእ ብዓይኒ እቲ ዓላማ እንተይኮነስ ብዓይኒ ውልቃዊ ተፈላጥነቱን ረብሕኡን ጥራሕ ስለዘሪኦ እዩ።
በዚ ምኽንያት ኣብ ዝመርሖም ዓውደ ውግኣት እዚ ኹሉ መንእሰይ ከም ቆፅሊ ክረግፍ ምኽኣሉን ድሕሪ እዞም ውግኣት ኣብ ዝነበረ ገምጋም ኣመራርሓ ኣርምታት ምዕራብ ግንባር ኣብ ከቢድ ጎንፅ ኣትዩ ከምዝነበረ፤ ገሊኦም ክሳብ “ኣይትመርሐናን” ከም ዝበልዎ ተገሊፁ።
ምግበይ እዚ ኹሉ መንእሰይ ኣወዲኡ እንተብቅዕ ዘለዎ ወታደራዊ ስልጣንን ሰራዊትን ተጠቂሙ ኣብ ዘረፋ ወርቂ ተዋፊሩ ከም ዘሎ ይግለፅ።
በቲ ሓደ ገፅ ብመኸተን ኲናትን እናዘመረ፣ ብኻልእ ገፅ ድማ ፡ ሼር ካምፖኒ ወርቂ ምስ ኮሎኔል ሃይለማርያም ነጋሽ፣ ኮሎኔል ተኽለማርያም፣ ኮሎኔል ተኹሉ ወዲኮኾብን ምስ ተስፋይ ናይጀርያን ኮይኑ መስሪቱ ይርከብ።
ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብከቢድ ሓለዋ ሰራዊት ከምዝሕሎ ገይሩ፦ ካብ መሬት ኣድያቦ ሓመድ ብለይቲ እናመፀ ብምፅራይ ኣብ ከቢድ ስርቂ ዘሎ ሰብ ምዃኑን ቅድሚ ሕዚ እውን ነዚ ናይ ስርቂ ስራሕ ዝውዕል መሳርሒ ኬሚካል ኣብ ግምሩክ ምትሓዙ ስዒቡ ህውከት ፈጢሩ ብሓይሊ ክልቀቕ ከም ዝገበሮ ተገሊፁ።
ብሓፈሻ ወርቅኣዝማች ምግበይ ፡ ትግራይ ኣብ ምብታን ተጊሁ ዝሰርሐሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያታት ሓደ ተሓታቲ ናይ ምዃን ፍርሒ እንተኸውን፡ ኣብ ዝሓለፉ ውግኣት ዝፈፀሞም ወንጀላት ብዙሓት ብምዃኖም፣ ሕግን ስርዓትን ዘለዋ ትግራይ ምስ እትህሉ ተሓታቲ ክኸውን ስለ ዝኽእል እዩ ።
ካልኣይ ድማ ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ህልውና ህዝብን ከባብን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኬሚካል እናተጠቐመ ዝሰርሖ ዘሎ ወንጀል ብከቢድ ዘሕትቶ ስለ ዝኾነ እዩ።
ብተወሳኺ ፡ ኣብ ትግራይ ግፋ መናእሰይ ክካየድ ፕሮፖዛል ኣቕሪቡ ናብ ተግባር ክውዕል ዝገበረ ሰብ ንሱ ብምዃኑን ፤ ምስ መንጀሪኖ ፍሉይ ውልቃዊ ርክባት ብምምስራት ፣ ኣቐዲሙ ዝደልዮ ውሳነ ምስኣ ኣወሲኑ ናብ ሴንትራል ኮማንድ የምፅእ። ነቶም ዝቃለስዎ ድማ ሓሶታት እናፈጠረ “ከቓልዑኒ ይኽእሉ እዮም” ንዝብሎም ሓቀኛ ተቓለስቲ የውቅዕን ክጥቅዑ ይገብርን ብምህላው ምዃኑ እቲ ዝወፀ መረዳእታ ይሕብር ።














